ካብ ንግዲ ወፃኢ ምህርቲ ቡን ልዕሊ 881ሚሊዮን ዶላር ተረኺቡ

መቐለ ነሓሰ 19/2009(ድወት) ኢትዮጵያ ኣብቲ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ካብ ንግዲ ወፃኢ ምህርቲ ቡን ልዕሊ 881ሚሊዮን ዶላር ኣታዊ ረኺባ።

በዓል መዚ ልምዓትን ፕሮሞሽንን ዕዳጋ ኢትዮጵያ ከምዝገለፆ ኣብቲ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ልዕሊ 225ሽሕ ቶን ምህርቲ ቡን ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ወፃኢ ብምርካብ ልዕሊ 881ሚሊዮን ዶላር ኣታዊ ተረኺቡ’ዩ።

በብዓመቱ ናብ ዕዳጋ ወፃኢ ዝቐርብ ምህርቲ ቡን ይዓቢ ምህላዉ ዝገለፀ ኾይኑ ኣብ 2008ዓ.ም ልዕሊ 198ሽሕ ቶን ምህርቲ ቡን ብምቕራብ 722.4ሚሊዮን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ኣዘኻኺሩ።

ሃገራት ጀርመን፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ኣሜሪካ፣ ቤልጅየም፣ ጃፓን፣ ደቡብ ኮርያ፣ ኢንግሊዝን ፈረንሳይን ምህርቲ ቡን ኢትዮጵያ ካብ ሞንጎ ዝተልኣኸን ሃገራት ገሊኤን እየን።