ትማሊ ኣብ ስዊዘርላንድ ከተማ ዙሪክ ፍፃመ ውድድር ድያመንድ ሊግ ተኻይዱ።

መቐለ ነሓሰ 19/2009(ድወት) ብ5000ሜ ደቂ ተባዕትዮ ትፅቢት ዝተገበረሉ ንሕንሕ ብዓወት እንገሊዛዊ ሞ ፋራህ ተዛዚሙ:: ታዓዋታይ ሻምፕዮና ኣትሌቲክስ ዓለም።

እቲ ርሕቀት እዚ ዓመት ሙክታር እድሪስ ብኣሜሪካዊ ቸሎሞ ተዓንቂፉ ወዲቁ 2ይ ደረጃ ሒዙ ውድድሩ ዛዚሙ።

ትውልዲ ኬንያዊ ኣሜሪካዊ ቸሊሞ ብዝፈፀሞ ጌጋ ውፅኢቱ እንትስረዝ ዮሚፈ ቀጀልቻ 3ይ ደረጃ ሶሎሞን ባረጋ ድማ 4ይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድሮም ዛዚሞም።

1 ሞ ፋራህ 13:06.05

2 ሙክታር እድሪስ 13:06.09

3 ዮሚፍ ቀጀልቻ 13:06.18

4 ሶሎሞን ባረጋ 13:07.35