ግጥማት ቡንደስሊጋ ጀርመንን ላሊጋ ስፔንን ዘመን ውድድር 2017/18 ትማሊ ተጀሚሮም፡፡

መቐለ ነሓሰ 13/2009(ድወት) ኣብ መክፈቲ ውድድር ቡንደስሊጋ ጀርመን እዚ ዓመት ጋንታ ባየር ሙኒክ ኣብ ሜደኣ ንጋንታ ባየር ሊቨርኩሰን ኣተኣናጊዳ 3ን1 ዓወት ኣመዝጊባ፡፡

• ሎሚ ቀዳም ድማ ሆፈንሄም ምሰ ወርደርብሬመን

• ሄርታ በርሊን ምስ ስቱትጋርት

• ሃምቡርግ ምስ ኦግስበርግ

• ሜንዝ 05 ምስ ሃኖቨር 96

• ዎልቭስበርግ ምሰ ቦርሽያ ዶርቱሙንድ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት 10 30 ክራከባ እየን;;

ኣብ ላሊጋ ሰፔን ድማ ትማሊ ሌጋኔሰ ን ዲፖርቲቮ ኣላቬስ ቫለንሽያ ድማ ንላስፓለማስ ብተመሳሳሊ ውፅኢት 1ን0 ስዒረን ኣለዋ;;

ካልኣይ ሰሙን ግጥማት ፕሪሜርሊግ እንግሊዝ እውን ሎሚ ክካየዱ እዮም;; በዚ መሰረት ስዋንሴ ሲቲ ምስ ማን ዩናይትድ ስዓት 8 30 ኣብ ሊበርቲ ስታድዮም ግጥመን ከካይዳ እየን;; በርንማወዝ ምስ ዋትፎርድ , በርንለይ ምስ ዌስትብሮም, ለዝሰተር ሲቲ ምስ ብሪይተን, ሊቨርፑል ምስ ክሪሰታል ፓላስ, ሳውዛምፕተን ምስ ዌስትሃም ዩናይትድ ,ኩለን ኣብ ተመሳሳሊ ሳዓት 11; 00 እንትራከባ ስቶክ ሲቲ ደማ ኣብ በሪታንያ ስታደዮም ምሽት ሰዓት 1 ;30 ንኣርሴናል ክትእንግድ እያ;;