ካብ ፓርክ ኢንዳስትሪ ሃዋሳ 1.5ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ይረክብ ኣሎ

መቐለ ነሓሰ 13/2009(ድወት) ካብ ፓርክ ኢንዳስትሪ ሃዋሳ ይለኣኽ ካብ ዘሎ ምህርቲ ዓለባን ኣልባሳትን በብወርሑ ክሳብ 1.5ሚሊዮን ዶላር ሸርፊ ወፃኢ ይርከብ ከምዘሎ ተገሊፁ።

ኢትዮጵያ ኣብ 2010 በጀት ዓመት ካብቲ ዓውዲ ክትረኽቦ ካብ ዝተለመቶ 400ሚሊዮን ዶላር ሸርፊ ወፃኢ እቲ 25ሚኢታዊ ካብቲ ፓርክ ዝርከብ ኣታዊ ዝሽፍኖ ክኸውን’ዩ።

ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ልምዓት ኢንዳስትሪ ዓለባ ኢትዮጰያ ኣይተ ስለሺ ማሞ ኣብ ፓርክ ኢንዳስትሪ ሃዋሳ ዘለው ፋብሪካታት መብዛሕትኦም ናብ ምፍራይ ይኣትው ከምዘለው ሓቢሮም።

ገሊኦም ዘፍረይዎም ምህርታት ናብ ወፃኢ ምልኣኽ ከምዝጀመሩ ዝገለፁ ኾይኖም ካብ ምህርታት ዓለባን ኣልባሳትን 1.5ሚሊዮን ዶላር በብወርሑ ኣታዊ ይርከብ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ክሳብ 8ተ ፋብሪካታት ምህርቶም ናብ ወፃኢ ምልኣኸ ከምዝጀመሩ ዝገለፁ እቶም ዳይሬክተር ካብቲ ዝቕፅለ ወርሒ ኹሎም ፋብሪካታት ምህርቶም ምልኣኽ ከምዝጅምሩ ኣመልኪቶም።