ብዘይፍቓድ ምርመራ ኤች ኣይቪ ክካየድ’ዩ

መቐለ ነሓሰ 10/2009(ድወት) ፕረዝደንት ዛምብያ ምርመራ ኤች ኣይቪ ብዘይፍቃድ ተሓከምቲ ክካየድ ኣዚዞም፡፡

ከምቲ ንሕማም ዓሶን ካልእን ፍቃድ ዘይሕተቶ ንምርመራ ኤች ኣይቪ’ውን ፍቃድ ክሕተት ኣይግባእን፡፡

ብርግፅ ገለ ኣካላት ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ክብልዎ ይክእሉ’ዮም ግን ሰኣን ምርመራ ፍቋደኝነት ሂወት ክጠፍእ ስለዘይብሉ ዝኮነ ይኩን ተሓካሚ ፈቐደ ኣይፈቐደ ምርመራ ኤች ኣይቪ ክግበረሉ ይግባእ ኢሎም ፕረዝደንት ኢድጋር ሉንጉ፡፡

ሐዚ ኣብ ዛምብያ ምርመራ ምክርን ክንክንን ኤች ኣይቪ ኤድስ ግድን’ዩ ኢሎም፡፡

ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ግን ሓካይም ንተሓከምቲ ብዛዕባ ዝገብሩሎም ምርመራ ብፍላይ ድማ ምርመራ ኤች ኣይቪ ከፍልጥዎም ወይ ክሓትዎም ስነ-ምግባር ሕክምና’ዩ፡፡

ትካል ጥዕና ዓለምን ትካል ምቁፅፃር ኤች ኣይቪ ውድብ ሕቡራት መንግስታት’ውን ኣገዳዲ ምርመራ ኤች ኣይቪ ብትሪ ከምዝቋወምዎ ይፍለጥ፡፡(ኣፍሪካ ኒውስ)