ልዕሊ 1ሽሕ ሰራሕተኛታት ዝተጥበርበረ መረዳእታ ትምህርቲ ተረኺቡዎም

መቐለ ነሓሰ 06/2009(ድወት) ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብዝተጭበርበረ መረዳእታ ትምህርቲ ይሰርሑ ዝነበሩ ልዕሊ 1ሽሕ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ከምዝተረኸቡ ቢሮ ልምዓት ሓይሊ ሰብን ስቪል ሰርቪስን እቲ ክልል ገሊፁ።

ካብ 15ሓምለ ክሳብ 15 ነሓሰ 2009ዓ.ም ብዝተጭበርበረ መረዳእታ ትምህርቲ ይሰርሑ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ዓርሶም ከቃልዑ ብመሰረት ዝተውሃቦም ዕድል እቶም ሰራሕተኛታት ዓርሶም የቃልዑ ኣለው።

ሓላፊ እቲ ቢሮ ዶክተር ቢቂላ ሁሪሳ እቶም ሰራሕተኛታት ካብ ወረዳ ክሳብ ክልል ኣብ ዘለው ዝተፈላለዩ ኣብያተ ፅሕፈት ይሰርሑ ዝነበሩ’ዮም።

ብዝተውሃበ ግዘ ዓርሶም ዘቃልዐሉ ሰራሕተኛታት ይቕረታ ተገይሩሎም ቅድሚ ሕዚ ብዘለዎም ትኽክለኛ መረዳእታ ትምህርቲ ኣብ ዝምጥኖም ብርኪ ስራሕ ክሰርሑ’ዮም።

ብቑዕን ግቡኡን አገልግሎት ንሕብረተሰብ ዝህብ ሰራሕተኛ ንምፍጣር ብመሰረት ዝተትሓዘ ኣሰራርሓ እቲ ስራሕቲ ምፅራይ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል እቶም ሓላፊ ገሊፆም።

ኣብቲ ክልል ልዕሊ 470ሽሕ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣለው።