25 ሚኢታዊ መናእሰይ ጣልያን ትኹረት የድልዮም

መቐለ ነሓሰ 06/2009(ድወት) ኣስታት 25ሚኢታዊ መናእሰይ ጣልያን ካብ ስራሕ፣ ትምህርትን ስልጠናን ወፃኢ’ዮም ተባሂሉ።

ሎመዓንቲ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዘተሓባብሮ “ዓለምለኸ መዓልቲ መናእሰይ” ኾይኑ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ዝተኻየደ መፅናዕቲ ድማ ኣብ ጣልያን ዘለው መናእሰይ ትኹረት ይውሕዶም ኢሉ።

24.3ሚኢታዊ ካብ 15 ክሳብ 29 ዕድመ መናእሰይ ካብ ትምህርቲ፣ ስልጠናን ስራሕን ወፃኢ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

እዚ ካብ ሃገራት ሕብረት ኣውሮፓ እቲ ዝዓበየ ቑፅሪ ኾይኑ ኣብ ሃገራት ቡልጋሪያ፣ ኢስቶኒያ፣ ኣውስትራሊያን ጀርመንን ብውሑድ ምንካይ ዘርኣያ’የን።

ጣልያን ኣብ 2014ዓ.ም.ፈረንጂ ካብ ዝነበራ 26.2ሚኢታዊ ምንካይ ዘርኣየት ኾይና ሃገራት ግሪክ፣ ኣየርላንድን ስፔንን ብዝሓሸ መልክዑ ምንካይ ዘርኣያ ምኳነን ተገሊፁ ኣሎ።

ኔዘርላንድስ፣ ሉክዘምበርግ፣ ስዊድን፣ ኖርወይ፣ ስዊዘርላንድን ዴንማርክን ኣብ ኣውሮፓ እተን ሙሩፃት ወይ ድማ ዝሓሻ ዝተብሃላ ሃገራት እየን። (ዩሮ ኒውስ)