ጃፓን ንኢትዮጵያ 50 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ጌራ

መቐለ ነሓሰ 06/2009(ድወት) ጃፓን ንመፍረይ ተሓዳሲ ሓይሊ፣ቀረብ ፅሩይ ዝስተ ማይን ትምህርትን ኢትዮጵያ ዝውዕል 50 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ጌራ፡፡

እዚ ሓገዝ ገንዘብ ኣብ ክልል ትግራይ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ንምህናፅ ፕሮጀክት መፍረይ ሓይሊ ጅኦ ተርማል ኣሉቶ ላንጋኖን ንምፍፃምን ዓቅሚ ግልጋሎት ማይ ከተማ ባህርዳር ንምምሕያሽን ዝውዕል’ዩ፡፡

ብመሰረት’ዚ ኣብ ትግራይ 8ሽሕን 956 ተምሃሮ ተረባሕቲ ዝገብሩ 7ተ ኣብያተ ትምህርቲ ክህነፁ’ዮም፡፡

በቲ ንመፈፀሚ ፕሮጀክት ሓይሊ ኣሉቶ ላንጋኖን ዝተመደበ ሓገዝ ድማ ልዕሊ 300ሽሕ ነበርቲ ተረባሕቲ ክኮኑ’ዮም፡፡

ብተወሳኺ’ውን ኣገልግሎት ማይ ከተማ ባህርዳር ተረባሕቲ ፅሩይ ዝስተ ማይ ክኾኑ ክሕግዝ’ዩ ተባሂሉ፡፡