ኣሜሪካ ንሰሜን ኮርያ ኣጠንቂቃ

መቐለ ነሓሰ 05/2009(ድወት) ሰሜን ኮርያ ኣብ ልዕሊ ኣሜሪካ ኣዝዩ ስምዓታዊ ዝኾነ ተግባር ከይትፍፅም ኣሜሪካ ኣጠንቂቃ፡፡

ሰሜን ኮርያ ኣብ ጥቃ ኣሜሪካ ንትርከብ ጉዋም ብ4ተ ሚሳይላት ከጥቅዕ ተሊመ ኣለኹ ምባላ ስዒቡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ሰሜን ኮርያ ንህላወኣ ክትሓስብ ኣጠንቒቖም፡፡

ሚኒስትር ምክልካል ኣሜሪካ ጀምስ ማቲስ ብወገኖም ሰሜን ኮርያ ዝሃቀነቶ ዕጥቃዊ ጎንፂ ኣዝዩ ኣዕናዊ ከምዝኮነ ኣገንዚቦም ንዲፕሎማስያዊ ልዝብ ቀዳምነት ክወሃኖ ሓቲቶም፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣውስትራልያ ማልኮልም ተርንቡል’ውን ሃገሮም ክትፅምበር ድልውቲ ምዃና ሓቢሮም፡፡