3ሽሕ ሄክታር መሬት ንልምዓት ዕምበባ ተዳልዩ

መቐለ ሓምለ 20/2009(ድወት)ኣብ ልምዓት ዕምበባ ንዝወፍሩ ሰብ ሃፍቲ 3ሽሕ ሄክታር መሬት ከምዘዳለወ በዓል መዚ ኢንቨስትመንት ሕርሻን ሆርቲካልቸርን ኣፍሊጡ።

ብሰብ ሙያ ስነ መሬት መፅናዕቲ ብምክያድ ኣብ ልምዓት ዕምበባ ንዝወፍሩ ሰብ ሃፍቲ መሬት ክዳሎ ከምዝተገበረ ዝገለፁ ምኽትል ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ በዓል መዚ ዶክተር ኣዱኛ ደበላ ኣብዚ ዓውዲ መዋእለ ንዋዮም ንምውፋርን ኣብቲ ልምዓት ንምስታፍን ዝተፈለዩ ሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ብኤምባሲኦም ኣቢሎም ሕቶ ከምዘቕረቡ ተዛሪቦም።

ኣብዚ ዓውዲ ንምስታፍን ብናይ ባዕሎም ገንዘብ ክንቀሳቐሱ ዝደልዩን ሰብ ሃፍቲ መንግስቲ ቀዳምነት ከምዝህቦም’ውን ኣመልኪቶም።

ኣብ ዓውዲ ልምዓት ዕምበባ ንምውፋር ዝደልዩን ተሞክሮ ሃልዩዎም እኹል ገንዘብ ዘይብሎም ሰብ ሃፍቲ ወፃኢ 30ሚኢታዊ ገንዘብ እንተቕሪቦም እቲ ዝተረፈ ካብ ባንኪ ልምዓት ኢትዮጵያ ብልቓሕ ክረኽቡ ዘኽእል ምድላው ከምዝተገበ ሓቢሮም ዶክተር ኣዱኛ።
ኣብዚ ሐዚ እዋን ሰብ ሃፍቲ ውሽጢ ዓዲ ኣብቲ ዓውዲ ንምውፋር ድሌት እንተሃልዩዎም ዝሓሸ መተባብዒ ከምዝግበረሎም ብምምልኻት 25ሚኢታዊ ገንዘብ ከቕርቡ ትፅቢት ከምዝገበር ገሊፆም።
ኣብዚ ሓዱሽ በጀት ዓመት ዓውዲ ልምዓት ዕምበባ ሓዊሱ ካብ ልምዓት ሆርቲካልቸር 433ሚሊዮን ዶላር እቶት ንምርካብ ከምዝተተለመ ተዛሪቦም።
ኣብ 2000ዓ.ም ንልምዓት ዕምበባ ተዋሂቡ ካብ ዝነበረ 1ሽሕን 500 ሄክታር መሬት ካብ 80 ክሳብ 90ሚኢታዊ መሬት ከምዝለምዐ ምኽትል ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ በዓል መዚ ዶክተር ኣዱኛ ደበላ ኣዘኻኺሮም።
ተሳትፎ ሰብ ሃፍቲ ውሽጢ ዓዲ ልምዓት ሆርቲካልቸር 26ሚኢታዊ ኾይኑ 65ሚኢታውን ልዕሊኡን ብሰብ ሃፍቲ ወፃእን ሽርክናን ዝተትሓዘ ኾይኑ ልዕሊ 80ሚኢታዊ ፍርያት ናብ ዕዳጋ ሃገራት አውሮፓ፣ ኣሜሪካ፣ ማእኸላይ ምብራቕን ርሑቕ ምብራቕ ሃገራትን ከምዝልኣኽ ይግለፅ።