ሻምፔና ቅድድም ብስክሊታ ቱር ደ ፍራንስ ተካይዱ

መቐለ ሓምለ 13/2009(ድወት)ሻምፔና ቅድድም ብስክሊታ ቱር ደ ፍራንስ ትማሊ ቀፂሉ 189 ኪሎ ሜትሮ ኣብ ዝሸፈነ ጠንካራ ንሕንሕ፡፡

ኢትዮጵያዊ ተቀዳዳማይ ጋንታ ባህሬን መሪዳ መበል 91 ደረጃ ወፂኡ’ሎ፡፡

ኢትዮጵያዊ ፅጋቡ ገብረማርያም ብድምር ውፅኢት ንልዕሊ 110 ተቀዳደምቲ በሊፁ ኣብ መበል 78 ደረጃ ተሰሪዑ’ሎ፡፡

ኣብቲ ናይ ትማሊ ንሕንሕ ስሎቫክያዊ ፕሪሞዝ ሮጂክ ካብ ጋንታ ሎቶ 1ይ ኾይኑ ተዓዊቱ’ዩ፡፡

ብጋንታ ቲም ስካይ ቐዳመይቲ ወፂኣ’ያ፡፡

ዛጊድ ኣብ ዝተኻየደ 17 ዙራት እንግሊዛዊ ክረስቶፎር ፉሩም ቢጫ ማልያ ተኸዲኑ ይርከብ፡፡
ንቅጠልያ ማልያ ነጥቢ ድማ ሚኪኤል ማቲው ካብ ሳን ዌብ ተኸዲኑዋ ይርኸብ
ነታ ፃዕዳ ቀይሕ ነጠብጣብ ማልያ ዓቐበት ድማ ፈረንሳዊ ሞርጋን ባርጎል ካብ ሳን ዌብ ተኸድንዋ’ሎ፡፡

እንግሊዚያዊ ሳይመን ያትስ ድማ ንፃዕዳ ማልያ መናእሰይ ተከዲንዋ ይርከብ፡፡