መሰናድኦ ኻልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዓዲ ዳዕሮ 2ሚልዮን ቅርሺ ብሓገዝ ረኺባ…

መቐለ ሓምለ 09/2009(ድወት) ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ ንመጠናኽሪ ቤት ትምህርቲ መሰናድኦ ዓዲ ዳዕሮ ዝውዕል 2ሚልዮን ቅርሺ ብሓገዝ ሂባ።

እቲ ብሓገዝ ዝተውሃበ ገንዘብ ብርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣይተ ኣባይ ወልዱ ዝተመርሐ ጉጅለ ላዕለዎት ኣመራርሓ ክልልና ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ኣብታ ቤት ትምህርቲ ዑደት ኣብዘካየደሉ እዋን ብዋና ዳይሬክተር ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ ኣይተ ተኽለወይኒ ኣሰፋ ቃል ዝተኣተወ እዩ።

ብመሰረት ዝተኣተወ ቃል እቲ ገንዘብ ኣታዊ ኮይኑ ከምዘሎን እዚ ንመመላኢ ውሽጣዊ ናውትን ትምህርታዊ መፃሕፍትን እታ ቤት ትምህርቲ ከምዝውዕልን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ ኣይተ መንግስትኣብ ደሳለኝ ሓቢሮም።

ኣብቲ እዋን ዑደት ርእሰ ምምሕዳር ኣባይ ወልዱ’ውን ንመጠናኽሪ እቲ ቤት ትምህርቲ መንግስቲ ትግራይ 3ሚልዮን ቅርሺ ከምዝህብ ብመሰረት ዝኣተይዎ ቃል ቅድም ክብል ኣታዊ ከምዝኾነ ኣይተ መንግስትኣብ ኣዘኻኺሮም።