መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ማናማ በረራ ክጅምር እዩ…

መቐለ ሓምለ 09/2009(ድወት) መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ዝመፅእ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ ናብ ዋና ከተማ ባህሬን ማናማ ሓዱሽ መስመር በረራ ክጅምር እዩ።

እቲ መንገዲ ኣየር ኣብቲ ዝጅምሮ ሓዱሽ መስመር በረራ ቦይንግ 737-800 NG ዝዓይነተን ኣውሮፕላናት ከምዝጥቐምን እቲ ዝካየድ በረራ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ማናማ ኣብ ሰሙን ሰለስተ መዓልትታት ከምዝኸውን ኣፍሊጡ።

ምጅማር እቲ በረራ ኣብ መንጐ ሃገራት ኣፍሪካን ወሽመጥ ዓረብን ዝተጀመረ ምንቅስቓስ ንግድን ቱሪዝምን ብዝበለፀ ዘቐላጥፍ ምዃኑ ድማ ተሓቢሩ።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብደረጃ ዓለም ልዕሊ 95 ዓለምለኸ በረራ ዘለዉዎ እንትኸውን ኣብ ኣፍሪካ ድማ ኣብ 52 ከተማታት ብምብራር ብበዝሒ በረራ ኣብ ኣፍሪካ ካብዝርከቡ ዓለምለኸ በረራታት መንገዲ ኣየር ብቐዳምነት ዝስራዕ እዩ።

እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ 2017ዓ.ም በዝሒ ዓለምለኸ በረርኡ ናብ 120 ንምዕባይ እናሰርሐ ምዃኑን ኣብቶም ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጥራሕ ናብ ከተማታት ኦስሎ፣ ቓላይ ቪክቶሪያ ኣንታናናሪቮ፣ ሲንጋፖርን ቼንድን ሓደሽቲ በረራታት ከምዝጀመረን ተሓቢሩ።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቅድሚ ኽልተ ኣዋርሕ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ከተማ ጀሃንስበርግ ኣብዝተኻየደ መበል 26 ዓመታዊ ጉባኤ መንገዲ ኣየር ኣፍሪካ ብሉፅ ተሸላሚ 2017 መንገዲ ኣየር ተባሂሉ ብበዓል መዚ ኣቬየሽን ኣፍሪካ ምሽላሙ ዝዝከር እዩ።