ሕጋዊ መንብርን መስርሕን ዘይብሎም ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ክምልሱ ተሓቲቱ…

መቐለ ሓምለ 09/2009(ድወት) ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝነብሩን ሕጋዊ ፍቓድ መንበርን መሰርሕን ዘይብሎም ኢትዮጵያውያን ዝተቐመጠሎም ግዜ ገደብ ቅድሚ ምዝዛሙ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ፀዊዑ።

ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ስዑዲ ዓረብ እቲ ጉዳይ ብዝምልከት ህዝባዊ መድረኽ ዘተ ኣካይዱ።

ኣብቲ ዘተ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዘይካኣሉ ኢትዮጵያውያን ዜጋታት ንዝተፈላለዩ ፀገማት ከይተቓልዑ ዝተውሃቦም ግዜን ዕድልን ብኣግባቡ ክጥቐምሉ ይግባእ።

ሕጋዊ መሰርሕን መንበርን ፍቓድ ዘለዎም ኢትዮጵያውያን ወገናት’ውን መኺሮምን ሚዒዶምን ሕጋዊ ፍቓድ መንበርን መስርሕን ዘይብሎም ኢትዮጵያውያን ወገናት ናብ ሃገሮም ንክምለሱ ክተሓባበሩን ልዑል ሓገዝ ክገብሩን ተሓቢሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያውያን ዜጋታት ቅድሚ ናብ ፀገም ምእታዎም ናብ ሃገሮም ንክምልሱ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ዝነኣድ እዩ ዝበሉ ተሳተፍቲ እቲ ህዝባዊ መድረኽ ክሳብ ሐዚ ዘይተመለሱ ወገናት ናብ ሃገሮም ንክምልሱ ዝገብርዎ ፃዕሪ ከምዘጠናኽሩ ድማ ገሊፆም።

መንግስቲ ስዑዲ ዓረቢያ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ካብተን ሃገር ንክወፁ ዘቐመጦ ተወሳኺ 30 መዓልትታት ንክዛዘም ትሽዓተ መዓልትታት ጥራሕ ተሪፎምዎ ኣለዉ።