ክረምታዊ ወፍሪ ተምሃሮ 10 ሓምለ ክጅመር’ዩ

መቐለ ሓምለ 08/2009(ድወት) ኣብ ኮሌጃት ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ኣብ መሰናድኦን ክመሃሩ ዝሓገዩ ተምሃሮ ኣብ ክረምታዊ ነፃ ወፍሪ ዝሳተፍሉ ዕድል ተመቻችዩ ከምዘሎ ቢሮ ጉዳይ መናእሰይን ስፓርትን ክልልና ኣፍሊጡ፡፡

ሓላፊ ቢሮ ጉዳይ መናእሰይን ስፓርትን ክልልና ኣይተ ጎይተኦም ይብራህ ከምዝሓበርዎ ኣብ ኮሌጃትን ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ዝመሃሩ ተምሃሮ ኣብ ክረምታዊ ነፃ ወፍሪ ዝገበርዎ ተሳትፎ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ኣብ ምውሳኽ ከምዘሎ ተዛሪቦም፡፡

ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ 407ሽሕ መናእሰይ ተሳቲፎም ልዕሊ 251 ሚልዮን ቅርሺ ካብ ምውፃእ ከምዘድሓኑ ሓቢሮም እቶም ሓላፊ፡፡

ኣብዚ ዓመት ዝካየድ ክረምታዊ ነፃ ወፍሪ ንምጅማር ኣድላይ ምድላው ከምዝተወገኑ ብምግላፅ ካብ ሓምለ 10 ጀሚሩ ክሳብ 30 ነሓሰ እቲ ክረምታዊ ስራሕቲ ከምዝሳለጥ ኣብሪሆም’ዮም፡፡

ጎና ጎኒ ተምሃሮ ኣብ ዙርያ ፌደራሊዝምን ካልኦትን ጉዳያት ዘድሃበ ስልጠና ከምዝወሰዱ ሓቢሮም፡፡

ብተወሳኺ ተምሃሮ ኣብ ሓገዝ ትምህርቲ፣ምልጋስ ደም ምትካል ፈልስን ካልኦትን ክሳተፉ ትፅቢት ዝግበር ኾይኑ ኣብቲ ነፃ ክረምታዊ ወፍሪ ልዕሊ 439,600 ተምሃሮ ክሳተፉ ትፅቢት ከምዝግበር ኣይተ ጎይተኦም ኣመልኪቶም፡፡