ቤንጂን ሓዱሽ መሳለጢ መንገዲ ክፉት ገይሩ

መቐለ ሓምለ 08/2009(ድወት) ቻይና ሓዱሽ መሳለጢ መንገዲ ንትራፊክ ክፉት ገይራ።

እዚ መሳለጢ መንገዲ ቤጂንግ-ዢንጃንግ ቤጂንግ ምስ ኡሩምኪ ዝተብሃለት ዞባ እታ ሃገር ዘራኽባ ኾይኑ ቅድም ክብል ዝነበረ ጉዕዞ ብ1ሽሕን 300ኪሎ ሜትሮ ክሓፅር ዝገብር ምዃኑ ተገሊፁ።

እቲ መሳለጢ መንገዲ ኣዝዩ ዘመናውን ቅልጡፍን ምዃኑ ዝተገለፀ ኾይኑ ሰሜን ምዕራባዊ ክፋል እታ ሃገር ብመንገዲ ዘራኽብን ሓዱሽ መንገዲ ኤዥያ አውሮፓ ክኸውን ከምዝኽእልን ይግለፅ።

እዚ 2ሽሕን 582ኪሎ ሜትሮ ንውሐት ዘለዎ መንገዲ በረኻ ኸባብታት ከይተረፈ ዘራኽብን ኣብ ቻይና ዘሎ ካብ ዓለም ደረጃ 5ተ ዝተቐመጠ በረኻ ቻይና ጎቢ ኣቋሪፁ ዝሓልፍን ምዃኑ ተሓቢሩ።

እዚ መሳለጢ መንገዲ ቤጂንግ-ዢንጃንግ 3ተ ዓበይቲ ኩባኒያታት ኮንስትራክሽን ቻይና’ዮም ሃኒፀሞ።

ቻይና መሳለጢ መንገዲ ብምህናፅ ካብ ዓለም ቐዳመይቲ ኾይና ኣብ መወዳአታ 2016ዓ.ም.ፈረንጂ ዝርግሐ መሳለጢ መንገዲ 131ሽሕ ኪሎ ሜትሮ ኣብፂሓቶ እያ።
ኣብ 2020 ድማ ቻይና 30ሽሕ ኪሎ ሜትሮ ንውሓት ዘለዎም ሓደሽቲ መሳለጢ መንገድታት ብምህናፅ ሙሉእ ምርኻብ ክትፈጥር ትልሚ ሒዛ ትሰርሕ ኣላ። (ሲ.ጂ.ቲ.ኤን)