ሃፍቲ ጃሜ ዘፃሪ ኮሚሽብ ተጣይሹ

መቐለ ሓምለ 07/2009(ድወት)መንግስቲ ጋምቢያ ሃፍቲ ፕረዝደንት እታ ሃገር ዝነበሩ ያህያ ጃሜ ዘፃሪ ኮሚሽን ዕላዊ ገይሩ።

እቲ ኮሚሽን ያህያ ጃሜ ዝነበሮም ፋይናንሳዊ ምልውዋጥ፣ ኣተሓሕዛ ህዝባዊ ኢንተርፕራይትን ወኒኖሞ ዝበሃል ሃፍትን ከፃሪ’ዩ ክብሉ ፕረዝደንት ጋምቢያ ኣዳማ ባሮው ገሊፆም።

ኣባላት እቲ መፃረዪ ኮሚሽን ብዝለዓለ ህዝባዊ ሓላፍነት ብእምነትን ሙሉእ ስነ ምግባርን ዝተውሃቦም ሓላፍነት ከምዝፍትሹ ዘለዎም እምነት ልዑል ምዃኑ ሓቢሮም።

ንዝሓለፉ 22ዓመታት ጋምቢያ ዝመርሑ ያህያ ጃሜ ብመላይን ዝቑፀር ሃፍትን ንብረትን ከምዝሰረቑ’ዩ ዝግለፅ። (ወርልድ ቡለቲን)