ቅዋም ለውጢ ኩነታት ኣየር ኣሜሪካ ክቅየር ይክእል ተባሂሉ

መቐለ ሓምለ 07/2009(ድወት)ፕሬዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ስምምዕ ለውጢ ኩነታት ኣየር ዘለዎም ቅዋም ክቅይሩ ከምዝክእሉ ኣመላኺቶም ተባሂሉ፡፡

ፕሬዚደንት ትራምፕ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ክዝትዩ ን2ተ መዓልታት ኣብ ፓሪስ ይርከቡ፡፡
ምስ ፕሬዚደንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ተራኺቦም ድማ ኣብ ለውጢ ኩነታት ኣየር ኣድሂቦም ዘትዮም፡፡
ፕሬዚደንት ፈረንሳይ ኢማኒኤል ማክሮን ለውጢ ኩነታት ኣየር ኣመልኪቱ ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ስምምዕነት ፓሪስ ዝፈረማ ሃገራትን ዘሎ ኣፈላላይ ንፈልጦ ኢና ስለዚ ቅዋም ኣሜሪካ ነኽብር ግን ድማ ዳግም ክትምርምሮ ፃዕሪ ክንገብር ኢና ኢሎም፡፡
ፕሬዚደንት ትራምፕ ድማ እንታይ ምዃኑ ብዕሊ’ኳ ተዘይገልፅዎ ስምምዕነት ለውጢ ኩነታት ኣየር ፓሪስ ዝምልከት ለውጢ ቅዋም ክህሉ ከምዝክእል እንታይ ከምዝፍጠር ክንርኢ ኢና ብምባል መመላኸቲ ሓሳብ ገሊፆም ይብል ፀብፃብ ቢቢሲ፡፡
ፕሬዚደንት ትራምፕ ኣሜሪካ ዝፈረመትሉ ስምምዕነት ፓሪስ 2015 ንኣሜሪካ ኣይረብሕን ብዝብል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካብቲ ስምምዕነት ዓርሳ ከምዘግለለት ምፍላጦም ይዝከር፡፡

ፕሬዚደንታት ኣሜሪካን ፈረንሳይን ኣብ ጉዳይ ቃልሲ ፀረ ሽብርተኝነት’ውን ዘትዮም’ዮም፡፡