ካብ ምህርቲ ቡን 886ሚሊዮን ዶላር ተረኺቡ

መቐለ ሓምለ 05/2009(ድወት) ኢትዮጵያ ኣብዚ በጀት ዓመት ሰደድ ካብ ዝገበረቶ 221ሽሕ ቶን ቡን 886ሚሊዮን ዶላር ኣታዊ ከምዝረኸበት ተገሊፁ።

በዓል መዚ ልምዓትን ዕዳጋን ቡንን ሻሂን ኢትዮጵያ ከምዝገለፆ 92ሚኢታዊ ዝሓዘቶ ትልሚ ዘዐወተ ኾይኑ ምስቲ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን እንትነፃፀር ዝሓሸ ኣፈፃፅማ ከምዘለዎ ኣመልኪቱ።

ኣብ 2015/16 ዝነበረ ሰደድ ምህርቲ ቡን እንትነፃፀር ብ11.5ሚኢታዊ ዕብየት ዘርኣየ ኾይኑ ዝተረኸበ ኣታዊ’ውን ብ20ሚኢታዊ ከምዝወሰኸ ሓቢሩ። እዚ ኣብ ዓለም ዝተርኣየ ወሰኽ ዋጋ ምህርቲ ቡን ስዒቡ ዝመፀ’ዩ።

ኣብቶም ዝሓለፉ ዓመታት 60ሃገራት ዓለም ፍርያት ቡን ኢትዮጵያ እናዓደጋ ዝመፃ ኾይን ኣብዚ ዓመት ግና 57 ሃገራት ጥራሕ ፍርያት ቡን ኢትዮጵያ ከምዝጠለባ ይግለፅ።

86ሚኢታዊ ሰደድ ፍርያት ቡን ኢትዮጵያ ናብ ሃገራት ጀርመን፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ጃፓን፣ ሕቡራት ዓረብ ኢምሬትስ፣ ቤልጅየም፣ ሱዳንን ደቡብ ኮርያን እየን። ጀርመን ጥራሕ ኣብዚ ዓመት 18ሚኢታዊ ሰደድ ኢትዮጵያ ጠሊባ እያ።
ብቐፃልነት ካብቲ ዓውዲ ዝርከብ እቶት ንምዕባይ መንግስቲ ፅሬትን በዝሕን እቲ ምህርቲ ንምዕባይን ዘይሕጋዊ ንግዲ ንምክልኻልን ይሰርሕ ከምዘሎ በዓል መዚ ልምዓትን ዕዳጋን ቡንን ሻሂን ኢትዮጵያ ገሊፁ። (ኦል አፍሪካ)