ኣገልግሎት ቴሌ ራዲዮሎጂ ክጅመር’ዩ

መቐለ ሓምለ 04/2009(ድወት) ኣብ ሃገርና ኣብ ዝርከቡ 60ሆስፒታላት ብቴሌ ራዲዮሎጂ ዝተሓገዘ ዘመናዊ ሕክምና ንምሃብ ዘኽእል ስርዓት ይዝርጋሕ ከምዘሎ ሚኒስቴር ሓለዋ ጥዕና ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ሚኒስቴር ዳይሬክተር ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ጥዕና ኣይተ እዮብ ከበደ ንግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ከምዝገለፅዎ ብልውውጥ መረዳእታ ቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ዘመናዊ ስርዓት ኣገልግሎት ሕክምና ጨረር ድሕሪ 3ተ ሰሙናት ክጅመር’ዩ።

እቶም መሳርሕታት ዝርከብሎም 7ተ ማእኸላት ሕክምና ምስ 60ማእኸላት ሕክምና ማለው’ውን ሆስፒታላት ብኔትወርክ ብምትእስሳር ዝርከብ መረዳእታ ጨረር ዝተሓገዘ ስርዓት ሕክምና ንምጅማር ስራሕቲ ቅድመ ምድላው ይውገኑ ኣለው።

ብመሰረት እዚ በቲ ቴሌ ራዲዮሎጂ እቲ ተሓካሚ ኣብ ኸባቢኡ ኣብ ዘለው ማእኸላት ሕክምና ኣገልግሎት ሕክምና ዝረኽብሉ ዕድል ይፍጠር ኣሎ ማለት’ዩ።
ብዘይካ እዚ በቲ ቴክኖሎጂ ዝተኣሳሰራ ሆስፒታላት ኣገልግሎት ምርመራ ሕክምና ጥዕና ብተመሳሳሊ ክህባ ከምዘኽእል ዝተገለፀ ኾይኑ በዚ ስርዓት ኣገልግሎት ሕክምና ዝረኽቡ ወገናት ዘውፅእዎ ተወሳኺ ገንዘብን ጉልበትን ዘትርፍ’ዩ ተባሂሉ ኣሎ።

ኣብ ቐፃሊ’ውን ኣብ መላእ ሃገር ዝርከቡ ሆስፒታላት ብመሰረተ ልምዓት ኔት ወርክ ንምትእስሳር ዘኽእል ቅድመ ፕሮጀክት ተሓንፂፁ ይስራሕ ከምዘሎ ሚኒስቴር ሓለዋ ጥዕና ገሊፁ።