ፓርክ ኢንዳስትሪ ኮምቦልቻ ተመሪቑ

መቐለ ሓምለ 1/2009(ድወት)ኣብዛ ሃገር ይህነፁ ዘለው ፓርክታት ኢንዳስትሪ ልምዓት ኢንዳስትርን መሓውራዊ ስግግር ቑጠባን ሃገርና ጋህዲ ምዃኑ ዘረጋግፁ’ዮም ክብሉ ቐዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ገሊፆም።

ሎመዓንቲ ዝተመረቐ ፓርክ ኢንዳስትሪ ኮምቦልቻ ኢትዮጵያ ተመዝግቦ ዘላ ቑጠባዊ ዕብየት መሓውራዊ ለውጢ ይረጋገፅ ከምዘሎ ዘርኢ ምዃኑ’ውን ገሊፆም።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ መቐለ፣ ሃዋሳን ኮምቦልቻን ፓርክታት ኢንዳስትሪ ብምህናፅ ኣገልግሎት ሓደ መስኮት ተግባራዊ ብምግባር ንውፅኢታውነቱ ይስራሕ ከምዘሎ’ውን ኣመልኪቶም።

ኣካቢ ቦርድ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዳስትሪ ዶክተር ኣርከበ ዕቑባይ ብወገኖም ፓርክ ኢንዳስትሪ ኮምቦልቻ ኣብ ምህርታት ዓለባን ኣልባሳትን ዝወፍሩ ኩባኒያታት ዘተኣናግድ ምዃኑ ሓቢሮም።
ብምዃኑ ድማ ኩባኒያታት ወፃኢ ብጥንቃቐ ንምሕራይን ሰብ ሃፍቲ ውሽጢ ዓዲ ዘጋጥምዎም ፀገማት ገንዘብ፣ ቴክኖሎጅን ካልኦትን ንምፍታሕ ዘኽእል ማዕቀፍ ከምዝተዳለወ ድማ ተዛሪቦም።
ፈላማይ ምዕራፍ ህንፀቱ ተዛዚሙ ዝተመረቐ ፓርክ ኢንዳስትሪ ኮምቦልቻ ብ90ሚሊዮን ዶላር ወፃኢ ዝተሃነፀ ኾይኑ ን20ሽሕ ሰባት ዕድል ስራሕ ክፈጥር’ዩ።
ኢትዮጵያ ፅባሕ ድማ ፓርክ ኢንዳስትሪ መቐለ ክተመርቕ’ያ።