ጋና ናብ ህዋ ሳተላይት ልኢኻ

መቐለ ሓምለ 1/2009(ድወት)ኣፍሪካዊት ሃገር ጋና ፈላማይ ሳተላይታ ናብ ህዋ ልኢኻ፡፡

እቲ ናብ ህዋ ሳተላይት ናይ ምልኣኽ ከይዲ’ውን ዕውት ምንባሩ ቢቢሲ ሓቢሩ፡፡

እዛ ብሕብረት ተምሃሮን ምሁራት ሳይንስን ዩንቨርስታት ጋና ብዝተጣየሸ ጉጅለ ዝተልኣኸት ሳተላይት 400 ምሁራት ከምዝተሳተፈላ ተሓቢሩ፡፡

ጋና ሳተላይት ናብ ህዋ ናይ ምልኣኽ ጉዕዞ 2ተ ዓመት ከምዝወሰለን ጃፓን 50ሽሕ ዶላር ከምዘውፅአትን ተገሊፁ፡፡ድማ ብማእኸል ህዋ ሳይንስ ጃፓን ዝተደገፈ ከምዝነበረን ተሓቢ፡፡

እዛ ሳተላይት ጋና ንስራሕቲ ምዕባለ ካርታ፣ምዕባይ ዓቕሚ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ክትጥቀመላ እያ፡፡

መተሓባበሪ እቲ ፕሮጀክት ዶክተር ሪቻርድ ደማህ እዚ ንጋና ሓዱሽ ምዕራፍ ዝኸፍት በሪ’ዩ፡፡ኣብ ህዋ ሳይንስ ካልኦት ብዙሓት ነገራት ክንሰርሕ’ውን ዘኽእለና መፈለምታ’ዩ፡፡ኢሎም፡፡