ኢትዮጵያ ኣብ ህፃናት ዝርኣ ሕማም ኣንቕፂ ካብ ዘጥፍኣ 42 ሃገራት ዓለም ሓንቲ ኮይና…

መቐለ ሰነ 25/2009(ድወት)ኢትዮጵያ ሕማም ኣንቅፂ ህፃናት ካብ ዘጥፍኡ 42 ሃገራት ዓለም ሓንት ምዃና ኣረጋጊፃ።

ተወከልቲ ጉጅለ ትካል መድሕን ህፃናት ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ትካል ጥዕና ዓለምን ኣብዚ ሰሙን ኣብ ሃገርና ብዘካየድዎ ዳህሳስ ኢትዮጵያ እቲ ሕማም ሙሉእ ብሙሉእ ከምዘጥፍኣት ከምዘረጋገፁ ገሊፆም።

ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ሓለዋ ጥዕና ሃገርና ዶክተር ከበደ ወርቁ ኢትዮጵያ ሞት ኣዴታትን ህፃናትን ንምንካይ ብዝለዓለ መንገዲ ይሰርሓ ካብዘለዋ ሃገራት ሓንቲ እያ በሉሞ ነዚ ንምርኣይ ድማ ሽቶታት ልምዓት ሚሊንየም ካብቲ ዝተቐመጠሉ ግዜ ገደብ ቐዲማ ብምትግባር /ብምዕዋት/ ብመርኣያ ትግለፅ ሃገር ከምዝኾነት ሓቢሮም።

ንህፃናት ዘጥቕዕ ሕማም ኣንቕፂ ንምጥፋእ ኣብ 1999ዓ.ም-2009ዓ.ም እቲ ሕማም ኣብ ዝረኣየሎም 59 ዞባታት ትኹረት ተጌሩ ክስራሕ ከምዝፀንሐ ዝሓበሩ ዶክተር ከበደ ወርቁ በዚ ድማ 15ሚልዮን ኣዴታት ኽታበት ከምዝተውሃበን ሓቢሮም።

ተወካሊ ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ኣክፓካ ካሉ ብወገኖም ኢትዮጵያ ንዘመዝገበቶ ዕውት ስራሕ ትካል ጥዕና ዓለም ሓገዝ ከምዝገብር ሓቢሮም።

ተወካሊ ዩኒሴፍ ሻሊኒ ባህጉና ብወገኖም ኢትዮጵያ ኣብ ምምሕያሽ ጥዕና ህፃናትን ኣዴታትን ትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ንምጥንኻር ትካሎ ዘድሊ ሓገዝ ከምዝገብር ገሊፆም ክብል ኢዜኣ ፀብፂቡ።