ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ዑደት ስዑዲ ሰሪዞም

መቐለ ግንቦት 11/2009(ድወት) ፕሬዚዳንት ሱዳን ዑመር ኣልበሽር ኣብ ሱዑዲ ክገብርዎ ሓሲቦም ዝነበሩ ዑደት ከምዝሰርዝዎ ተገሊፁ፡፡

ሮይተርስ ንማዕኸን ዜና ሱዳን ፀሪሑ ከምዝገለፆ ፕሬዚዳንት ኣልበሽር ፅባሕ ቀዳም ኣብ ሱዑዲ ተረኪቦም ምስ ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዘተ ክገብሩ ተተሊሙ ኔሩ እዩ፡፡

ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ናብ ስልጣን ካብ ዝመፁ ናብዚ ፈላማይ ዝኮነ ዑደቶም ኣብ ሱዑዲ ዓረቢያ ፅባሕ ቀዳም ከካይዱ እዮም ተባሂሉ ኣሎ፡፡

ሚኒስተር ጉዳያት መንግስቲ ሱዳን ኣብ ስዑዲ ተረኪቦም ዘተ ንምስላጥ ጣሂ ኣልሃሰን ዝሳተፉ ኮይኖም ፕሬዚዳንት ኣልበሽር ግና ወድዓዊ ፀገም ኣጋጢሙዎም ብዝብል ካብዚ ዑደት ተሪፎም ኣለው፡፡