ኽልቲአን ሃገራት ዲፕሎማሲያዊ ርክበን ንምዕባይ ዘትየን…

መቐለ ግንቦት 11/2009(ድወት) ሃገራት ኢትዮጵያን ኳታርን ዲፕሎማሲያዊ ርክበን ንምጥንኻር ኣብ ዘኽእሉወን ሓበራዊ ጉዳያት ብሓባር ንምስራሕ ዘትየን።

ሚኒስትር ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚዩኒኬሽን መንግስቲ ዶክተር ነገሪ ሌንጮ ኣብ ኳታር ዕላዊ ዑደት ስራሕ ኣካይዶም።

እቶም ሚኒስትር ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ካቢኔን ምኽትል ቐዳማይ ሚኒስትርን ኳታር ኣሕመድ ቢን ዓብዱላሂ ቢን ዛይድ ኣል ማሕሙድ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዘጠናኽሩ ጉዳያት ዘትዮም።

እቶም ሰበ ስልጣን ንግድን ኢንቨስትመንትን ሓዊሱ ኣብ ኩሎም ግንባራት ርክበን ንምዕባይ ኣንፈት ከምዘቐመጣ’ውን ተገሊፁ።

ካብዚ ብዝሰገረ ኢትዮጵያን ኳታርን ኣብ ሓበራዊ ተጠቃምነት ዝተመስረተ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ንምዕባይን ኣብ ዞባውን ዓለምለኻውን ጉዳያት ብሓባር ንምስራሕ ከምዝተዛተያ ተሓቢሩ ከም ፀብፃብ ገልፍ ታይምስ።