ናይጀሪያ ኣታዊ ትገብሮ መጠን ነዳዲ ክትንኪ እያ…

መቐለ ግንቦት 11/2009(ድወት) ናይጀሪያ ኣብ 2018ዓ.ም.ፈረንጂ ካብ ወፃኢ ኣታዊ ትገብሮ መጠን ምህርቲ ነዳዲ ከምትንኪ ኣፍሊጣ።

ኣብታ ሃገር ዘሎ ሃፍቲ ነዳዲ ንምጥቃም ኣብ ዴልታ ኒጀር ህንፀት መፍረዪ ነዳዲ ብምክያድ ካብ ወፃኢ ዝመፅእ ፍርያት ነዳዲ ምንካይ ይከኣል እዩ ክብል ሚኒስቴር ሃፍቲ ነዳዲ እታ ሃገር ገሊፁ።

እቲ ሚኒስቴር ከምዝብሎ ናይጀሪያ ኣብ 2019ዓ.ም.ፈረንጂ ዳንጎቴ ዝሃነፆ ማእኸል ተጠቒማ ውፅኢት ነዳዲ ሰደድ ክትገብር ክትጅምር’ያ።

ንልዕሊ 20ዓመታት እቲ ዓውዲ እናተጠቐመትሉ ከም ዝመፀትን መብዛሕትኦም ካብ ወፃኢ ናብ ዝመፅእ ስለዘድህቡ ዓውዲ ነዳዲ እታ ሃገር ፀገማት ይገጥሞ ዋላ’ኳ እንተሃለወ ሐዚ’ውን ግና እቲ ዓውዲ ንምዕባይ ዘኽእሉ ፀጋታት ከምዘለውዎ ገሊፁ።

ኣብ ፈላማይ ርብዒ እዚ ዓመት ጥራሕ ጠለብ ነዳዲ ናይጀሪያ ኣብ 2015ን 2016ዓ.ም.ፈረንጂ ካብ ዝነበሮ 8ሚሊዮን ናብ 10ሚሊዮን በርሚል ድፍድፍ ነዳዲ ከምዝዓበየ እቲ ሚኒስቴር ኣዘካኺሩ።

ብምዃኑ ድማ ኣብታ ሃገር ዘሎ ሃፍቲ ብዝግባእ ብምጥቃም ኣብ 2019ዓ.ም.ፈረንጂ ሐዚ ኣታዊ ትገብሮ ካብ ዘላ 95ሚኢታዊ ናብ 69ሚኢታዊ ንምንካይ ብቑርፀኝነት ከምትሰርሕ እቲ ሚኒስቴር አፍሊጡ።