ዶንግ ፋንግ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ልምዓት ሓይሊ ንፋስ ክወፍር እዩ…

መቐለ ግንቦት 11/2009(ድወት) ኮርፖሬሽን ኤሌክትሪክ ዶንግ ፋንግ ዝተብሃለ ኩባኒያ ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ንፋስ 120ሜጋ ዋት ሓይሊ ዘፈልፍል ፕሮጀክት ክሰርሕ’ዩ።

ዥንዋ ንዳይሬክተር ኮሚዩኒኬሽን ርክብ ህዝቢ ሚኒስትር ማይ መስኖን ኤሌክትሪክን ኢትዮጵያ ኣይተ ብዙነህ ቶልቻ ፀሪሑ ከምዝገለፆ ካብ ሓይሊ ንፋስ 120ሜጋ ዋት ዘፈልፍል ፕሮጀክት ኣብ ክልል ሶማሌ ኢትዮጵያ ክሃንፅ’ዩ።

እዚ ፕሮጀክት ዶንግ ፋንግ ዝተብሃለ ኩባኒያ ቻይና ብልዕሊ 257ሚሊዮን ዶላር ዝህነፅ ኾይኑ ህንፀቱ ኣብ ውሽጢ 18 ኣዋርሕ ክዛዘም’ዩ።

ነዚ ፕሮጀክት ዝውዕል 85ሚኢታዊ ገንዘብ ካብ ባንኪ ኤግዚም ቻይና ዝሽፈን ኾይኑ ዝተረፈ ድማ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝሽፈን ተገሊፁ ኣሎ።

ኢትዮጵያ ብተኸታታሊ ይዓቢ ንዘሎ ቑጠብኣ ዝውዕል ጠለብ ሓይሊ ንምምላእ ሐዚ ካብ ዘለዋ 4ሽሕን 200ሜጋ ዋት ሓይሊ ኣብ 2020ዓ.ም ፈረንጂ ናብ ልዕሊ 17ሽሕ ሜጋ ዋት ንምዕባይ ትሰርሕ ከምዘላ ይፍለጥ። (ዥንዋ)