ኢትዮጵያ ንኢንዳስትርታት ማኒፋክቸሪንግ ቻይና ቐዳምነት ትህብ…

መቐለ ግንቦት 11/2009(ድወት) ኢትዮጵያ ልዑል ፅፈት ንዘለዎም ኢንዳስትሪታት ማኒፋክቸሪንግ ቻይና ቐዳምነት ከምትህብ ቐዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ገሊፆም።

እዋናዊ ኣንፈት ትኹረት ኢትዮጵያ ናብ ስግግር ኢንዳስትሪ ምግባርን ተወዳዳሪ ዝኾነ መፍረይ ኢንዳስትሪ ምህናፅን ከምዝኾነን ነዚ ድማ ቻይና ቐንዲ ፍልፍል ዓውደ ማኒፋክቸሪንግ ከምዝኾነት ቐዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ኣብ ግዝኣት ቻይና ፋጃን ኣብዝተኻየደ መድረኽ ምትሕብባር ኢንቨስትመንት ኢትዮ-ፋጃን ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ትሑት ዋጋ ጉልበት፣ ቐረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክን መሬትን ከምዘለዋ ዘዘኻኸሩ ኣይተ ሃይለማርያም ሐዚ ይኹን ብቐፃሊ ብሰብ ሃብቲ ቻይና እትምረፅ ሃገር ኾይና ክትቕፅል እያ ኢሎም።

ግዝኣት ፋጃን ብዓውደ ማኒፋክቸሪንግ ብፍላይ ብዓውድታት ጨርቀመርቂ፣ ጡጥን ቆርበትን ከምኡ’ውን ብልምዓትን ምምሕዳር ፓርክታት ኢንዳስትርን ዘለዋ ተሞክሮ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ ድማ ኣብታ ግዝኣት ዝርከቡ ኩባንያታት ኣብ ኢትዮጵያ ፍሉይ ዞባ ቑጠባ ከጣይሹ ኣይተ ሃይለማርያም ሓቲቶም።

ሚኒስትር ድኤታ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ኣይተ ዛዲግ ኣብርሃ ብወገኖም ቐዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ኣብ ፋጃን ዝገበርዎ ዑደት ዓበይቲ ኩባንያታት እታ ግዝኣት ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዕድል ኢንቨስትመንት ተገንዚቦም ሃብቶም ከውፍሩ ንምትብባዕ ዝዓለመ ከምዝኾነ ገሊፆም።

`
ከም ውፅኢቱ ድማ ምስ ሓለፍቲ ኩባንያታት ግዝኣታት ሻንዶንግን ፋጃንን ዝተኻየደ ኽልቲኣዊ ዘተ ዕውት ምንባሩ ገሊፆም።