ኮሚሽን ሕብረት አውሮፓ ንፌስቡክ 122ሚሊዮን ዶላር ቐፂዑ

መቐለ ግንቦት 10/2009(ድወት) ኩባኒያ ፌስ ቡክ ትኽክል ዘይኾነን ዝተዛብዐን ሓበሬታ ኣሕሊፉ ብዝብል 122ሚሊዮን ዶላር ተቐፂዑ።

ኣብ 2014ዓ.ም.ፈረንጂ ብዝተኻየደ ምርመራ ዝተሰሓሓተ ሓበሬታ ዘሕልፉ ተጠቀምቲ ፌስ ቡክን ዋትስ ኣፕን ከምዘለው እናፈለጠ ስቕ ምባሉ ክቕፃዕ ከምዝገበሮ ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮፓ ገሊፁ።

እዚ ድማ ኢሉ እቲ ኮሚሽን እቲ ሕብረት ሓበሬታ ንምርካብ እቲ ኮሚሽን ኣብ ዝጠቅዖ ሓበሬታ ዘሰሓሕት ምላሽ ብምሃብ ብዝብል ፌስ ቡክ ከምዝተኸሰሰ ሓቢሩ።

እቲ ውሳነ እቲ ኩባኒያ ሕግታት ሕብረት ኣውሮፓ ተረዲኡ ተኽክለኛ ሓበሬታ ከሕልፍ ግልፂ መልእኽቲ ዝሓዘ’ዩ ኢሉ ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮፓ።

ኣብ 2014ዓ.ም.ፈረንጂ ዝተመልአ ቅጥዒ ብፍላጥ ኣይነበረን ይብል ኩባኒያ ፌስ ቡክ።

ዝሓለፈ ሰሉስ ትካል ተቖፃፃሪ ውልቀ መላለይቲ ቁልፊ ውልቀ ተጠቀምቲ ክብርብሩ ፈቒዱ ብዝብል 166ሽሕ ዶላር ከምዝተቐፅዐ ፀብፃባት ይገልፁ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት 27.6ቢሊዮን ዶላር ኣታዊ ዝረኸበ ኩባኒያ ፌስ ቡክ ውልቀ ሰነዳት ክብርበሩ ገይሩ ብዝብል ብሃገራት ቤልጅየም፣ ኔዘርላንድስ፣ ጀርመንን ስፔንን ምፅራይ ተኻይዱሉ’ዩ። (ወርልድ ቡለቲን)