ሞሮኮ ካብ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ሓገዝ ገንዘብ ረኺባ

መቐለ ግንቦት 10/2009(ድወት) ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ሞሮኮ ንዘለዋ ከቢድ ፀገም ፅሩይ ዝስተ ማይ ብዘላቅነት ንምፍታሕ ዝሕግዝ 300 ሚልዮን ዩሮ ሓገዝ ኣፅዲቑ።

ሞሮኮ ኣብ ኽልተ ኢድ ሃገራ ንዘላዋ ዝለዓለ ሕፅረት ፅሩይ ዝስተ ማይ ንምፍታሕ ትገብሮ ኣብ ዘላ ፃዕሪ ገዚፍ በጀት እዩ ዝተብሃለ 300 ሚልዮን ዩሮ ክወሃባ ኣፅዲቑ ከምዘሎ ድረ ገፅ ቢዝነስ ስተንዳርድ ፀብፂቡ።

ኣብ 30 ከተማታት ሞሮኮ ዝርገሐ ፅሩይ ዝስተ ማይ ንምብፃሕ ዘክእል ከምዝኮነን ኣብዘን ከተማታት ሽፋንን ዝርገሐን 100 ሚኢታዊ ንምብፃሕ ዝመደበ ከምዝኾነ ድማ ተገሊፁ ኣሎ።

ስርዓት ዝርገሐ ማይ ሞሮኮ እንትዛዘም ልዕሊ 2ሚልዮን ዜጋታት እታ ሃገር ተረባሕቲ ከምዝኾኑ ኣመራርሓ እቲ ባንኪ ብምጥቃስ ገሊፁ ድረ-ገፅ ቢዝነስ ስታንዳርድ ኣብ ናይ ትማሊ ፀብፃቡ።

ሰሜን ኣፍሪካዊት ሃገር ሞሮኮ ድሕሪ 33 ዓመት ናብ መቦቆላ ሕብረት ኣፍሪካ ክትምለስ ሕቶ ኣቅሪባ ሕብረት ኣፍሪካ ድማ ኣብ ሕቶኣ ብምዝታይ ናብቲ ሕብረት ክትምለስ ቅድሚ 4 ኣዋርሕ ከምዝወሰነ ዝፍለጥ እዩ።