ኢትዮጵያ ናይ ባዕላ ሳተላይት ቴሌቭዥን ዕላዊ ገይራ…

መቐለ ግንቦት 03/2009(ድወት) ኢትዮጵያ ናይ ባዕላ ሳተላይት ቴሌቭዥን ዕላዊ ገይራ።

እቲ ሳተላይት ቴሌቭዥን ክሳብ ጎረባብቲ ሃገራት፣ ማእኸላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪካን ዝበፅሕ ምዃኑ ተሓቢሩ።

እቲ ሳተላይት ቴሌቭዥን 30 ቻነላት ብሮድካስት ዝሓዘ ኾይኑ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኢትዮጵያ ብሮድካስቲን ኮርፖሬትን ኦሮሚያ ቴሌቭዥንን ተጠቀምቲ ግልጋሎት እቲ ሳተላይት ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ኢንሳ ኣይተ ገብረመስቀል ትኽለማርያም ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ሚዲያ መሰረታዊ ለውጢ ንምምፃእ ከምትሰርሕ ገሊፆም ይብል ፀብፃብ ድረ ገፅ ራፒድ ቲቪ።