ኢንዳስትሪ ዓለባ ኢትዮጵያ ይዓቢ ኣሎ: ዘጃካርታ ፖስት

መቐለ ሚያዚያ 26/2009(ድወት) ኢንዳስትሪ ዓለባ ኢትዮጵያ ዓለምለኸ ተወዳዳርነቱ እናዓበየ መፂኡ ኣሎ ክብል ዘ ጃካርታ ፖስት ገሊፁ።

ነዚ ስዒቡ ተወዳዳርነት ኢንዳስትርታት ዓለባ ኢንዶኖዢያ ይንኪ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ምህርታት ዓለባ ኢትዮጵያ ብኮታን ታክስን ከይተዓገቱ ናብ ኣሜሪካ ዝኣትውሉ ስምምዕነት /ኣጎዋ/ ዓለምለኻዊ ተወዳዳርነት ኢንዳስትርታት ኢትዮጵያ ክዓቢ ዝለዓለ እጃም ከምዘበርከተ ሓቢሩ።

ሓይሊ ሰብን እኹል ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ንዕብየት እቲ ዓውዲ ካልእ እወንታዊ ግደ ዘበርከቱ ምዃኖም ዝገለፀ እቲ ድረ ገፅ ፋብሪካታት ዓለባ ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሰፊሕ ዕድል ንምጥቃም ናብ ኢትዮጵያ ትኹረት ከምዝገበሩ ኣመልኪቱ።

ንኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ፀሪሑ ዘ ጃካርታ ፖስት ከምዝፀብፀቦ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ዓለባ ንምውፋር ድሌት ካብ ሞንጎ ዘርኣዩ 124 ሰብ ሃፍቲ ወፃኢ እቶም 71 ቻይናውያነ ከምዝኾኑ ገሊፁ።