ማዕቀፍ ቴሌቭዥን ሳተላይት ተዳልዩ…

መቐለ ሚያዝያ 14/2009(ድወት) ኢትዮ-ሳት ዝተብሃለ ዝተዋደደ ሓበራዊ ማዕቀፍ ብሄራዊ ዝርግሐ ቴሌቭዥን ሳተላይት ተዳልዩ።

ኤጀንሲ መረብ ደሕንነት ኢንፎርሜሽን ኢትዮጵያ እቲ ፕሮጀክት ፈተነ ዝገበረ ኾይኑ ካብ 16ሚያዚያ 2009ዓ.ም ጀሚሩ ተግባራዊ ክኸውን’ዩ።

ዳይሬክተር እቲ ኤጀንሲ ሜጀር ጀነራል ተኽለብርሃን ወልደአረጋይ ከምዝገለፁዎ እቲ ዝተዳለወ ማዕቐፍ ኣብ ሃገርና ቴክኖሎጂ ስፔስ ሳይንስ ሉኣላውነት ንምሕላው ዘለዋ ድሌትን ኢንዳስትሪ ሚዲያ ንምግፋሕ ዘለዋ ምልዕዓልን ምግፋሕ ከምዝሕግዝ ሓቢሮም።

ኢትዮጵያ ፅሬቱ ዝሓለወ፣ ብዋጋ ተመጣጣኒ ዝኾነ ንዝኾነ ዓይነት ጂኦ- ፖለቲካዊ ፅልዋ ዘይቃላዕ ማዐቀፍ ሳተላይት ክህልዋ ዕላማ ዝገበረ’ዩ ኢሎም እቶም ዳይሬክተር።

ካብዚ ብዝሰገረ እቲ ዝተዳለወ ማዕቀፍ መዓርነት፣ ፍትሓውነትን ተበፃሕነትን መራኸብቲ ሓፋሽ ብምርግጋፅ ብመረዳእታ ዝማዕበለ ማሕበረሰብ ንምፍጣር ዝለዓለ ግደ ክህልዎ’ዩ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ክሳብ ሐዚ ናይ ባዕላ ሳተላይት ስለዘይብላ ኣብ ሃገርና ዝነበሩ ካብ 15 ክሳብ 20 ዝበፅሑ ጣብያታተ ቴሌቭዥን ብውልቆም ሳተላይታት ዓረብ፣ ናይልን ገልፍን ክካረዩ ምፅንሖም ገሊፆም።

ተበፃሕነት እቲ ዝተዳለወ ማዕቀፍ ማእኸላይ ምብራቕ፣ ትሕቲ ሰሃራ ዘለዋ ሃገራትን ውሱናት ሃገራት ኣውሮፓን ዘካለለ ምዃኑ ኣመልኪቶም።