ኢትዮጵያን ኬንያን ሓዊሱ 28 ሃገራት ኣብ ቻይና ኣብዝካየድ ጉባኤ ክሳተፋ እየን…

መቐለ ሚያዝያ 13/2009(ድወት) ኣብ ቐፃሊ ወርሒ ግንቦት ኣብ ቻይና ክሳለጥ ዝተትሓዘ ጉባኤ ቤልት ኤንድ ሮድ ፎረም ፎር ኢንተርናሽናል ኮኦፕሬሽን ኢትዮጵያን ኬንያን ሓዊሱ 28 ሃገራት ንኽሳተፉ መረጋገፂ ከምዝተውሃበ ድረ-ገፅ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ገሊፁ።

ብሓፈሻ ኣብቲ ጉባኤ 1200 ሙሁራን፣ ሰበ ስልጣን መንግስትን ተወከልቲ መራኸብቲ ሓፋሽን ከምኡ’ውን ካብ 110 ሃገራትን 61 ዓለምለኸ ትካላት ዝተውፃእፅኡ ተሳተፍቲ ክርከቡ እዮም።

ኣብቲ ጉባኤ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ዘተ ክሳለጥ እዩ ዝበለ እቲ ድረ-ገፅ በዚ ድማ ቻይና ምስ 20 ሃገራት ሓበራዊ ስምምዓት ክትፍርም ትፅቢት ዝግበር ኮይኑ 20 ዓለምለኸ ኩባንያታት ድማ መማረፅታት ብምፈላይ ኣበ ሓደሽቲ ፕሮጀክታት ከምዝሳተፉ ተገሊፁ።

እቲ ጉባኤ ኣብ መሰረተ-ልምዓት ኢንቨስትመንት ኢንዳስትሪ፣ ቑጠባን ምትሕብባርን ንግድን ብሓይሊን ሃፍቲ ተፈጥሮ ብገንዘብን ልውውጥ ልምዲ ባህሊ እተን ሃገራትን ቐንዲ ትኹረት ዝገበረ እዩ።