ዓለምለኸ መዓልቲ ዓሶ ኣብ ከተማ ጋምቤላ ክበዓል’ዩ....

መቐለ ሚያዝያ 12/2009(ድወት) ዓለምለኸ መዓልቲ ዓሶ ኣብ ከተማ ጋምቤላ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ከምዝኽበር ሚኒስቴር ሓለዋ ጥዕና ኣፍሊጡ።

እቲ በዓል ካብ 15ሚያዚያ 2009ዓ.ም ጀሚሩ ንሰለስተ መዓልታት ዝኽበር ኾይኑ ዝተፈላለዩ መፅናዕታዊ ፅሑፋትን ካልኦት ምድላዋትን ክቐርቡ’ዮም።

ክልል ጋምቤላ ብዝተፈለየ መልክዑ ንዓሶ ዝተቓለዐ ብምዃኑ ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ኣስተምህሮ ንምሃብ እቲ በዓል ኣብቲ ከባቢ ከምዝኽበር ተወካሊ ትካል ምክልኻል ዓሶ ዶክተር ኣጎናፍር ተካልኝ ተዛሪቦም።

75ሚኢታዊ ክፋል ሃገርና ንዝርግሐ ሕማም ዓሶ ምችው ከምዝኾነ ብምግላፅ 60ሚኢታዊ ህዝቢ ነቲ ሕማም ተቓላዒ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ኣብ 2011ዓ.ም.ፈረንጂ ዝነበረ 1.3ሚኢታዊ ዝርግሐ ሕማም ዓሶ ሃገርና ኣብ 2016 ናብ 0.5ሚኢታዊ ከምዝወረደን ቑፅሪ በቲ ሕማም ዝተሓዙ ብ50ሚኢታዊ፣ ቑፅሪ በቲ ሕማም ዝሞቱ ድማ ብ60ሚኢታዊ ከምዝነከየ ኣብሪሆም።

ብኻልእ ወገን ቑፅሪ ብሕማም ዓሶ ዝሞቱ ዕድሚኦም ካብ 5ተዓመት ንታሕቲ ዝኾኑ ህፃናት ብ73ሚኢታዊ ከምዝነከየ ሓበሬታ ሚኒስቴር ጥዕና የመልክት።
በብዓመቱ 17ሚያዚያ ዝኽበር ዓለምለኸ መዓልቲ ዓሶ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ ኣኽሱም ድሕሪ ምኽባሩ እዩ ሎሚ ኣብ ክልል ጋምቤላ ዝበዓል ዘሎ።