ኢትዮጵያ ብሕጊ ዝሕተቱ ክትሓትት እያ…

መቐለ ሚያዝያ 12/2009(ድወት) ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ንቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣብዘቕረቦ ፀብፃብ መሰረት ብምግባር ኢድ ነይርዎም ኣብዝተብሃሉ መንግስታዊ ኣመራርሓ ኾነ ኻልኦት ኣካላት ተሓተቲ ክኾኑ እዮም ኢሎም ቐዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ሃይለማርያም ደሳለኝ።

እቱ ኮምሽን ብመሰረት ዘቕረቦ ሓበሬታ ኣብቲ ህውከት ኢድ ኣብዝነበሮም ኣካላት መንግስቲ ኣድላይ ዘበለ ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ገሊፆም ቐዳማይ ሚኒስትር ሃገርና ኣይተ ሃይለማርያም ደሳለኝ ትማሊ ኣብዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ።

ፀብፃብ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ተሓተቲ ብግልፂ ኣነፂሩ እዩ ዝበሉ ኣይተ ሃይለማርያም እቱ ኮምሽን ብዕምቆት እናመርመረ ምምፅኡን ውፅኢት እቲ ዓሚቕ ተሃድሶ ምዃኑ ኣስሚሮምሉ ሕጋዊ ስጉምቲ ከምዝውሰድ ድማ ገሊፆም።

ኣብ ከይዲ ምፅራይ እቱ ህውከት ኻልኦት ትካላት ክኣትውዎ ሓቲቶም ዝኣበናዮም ብዋናነት ንሕና እምነትና ኣብ ህዝብና እዩ ብዝህቢ ዝፍለጥ ጉዳይ ብምዃኑ ድማ ዝሕባእ ነገር ከምዘየለን እዚ ጉዳይ ጉዳይና ብምዃኑ ድማ ንዓና ዝምልከት ጉዳይ ሉኣላውነት ብምዃኑ እዩ ኢሎም።

እዚ ፀብፃብ ኣብ ጀኔቭ ዘርከብ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝተቐበሎ ምዃኑ ድማ ሓቢሮም።

ብዜካ እዚ ኣይተ ሃይለማርያም ኣብ ጋዜጣዊ መግለፂኦም ግብፂ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ኣብዝነበረ ህውከት ይመርሑ ኣብዝነበሩ ትካላት ስጉምቲ ምውሳድ ምጅማራ ገሊፆም።

ግብፂ ኢትዮጵያ ንምጉዳእ ዝንቀሳቐሱ ካብ ሃገራ ከምተውፅእን ኢትዮጵያ ድማ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክትወስድ ኣብ ስምምዕ ከምተበፅሐ ገሊፆም።

ብተዛማዲ ሃገራት ዓረብ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ዝገብርዎ ምንቅስቓስ ስግኣት ኢትዮጵያ ከምዘይኮነ ኢትዮጵያ ንሃገራት ኣፍሪካ ኮነ ኣውሮፓ ኣፍደገ ብምዃና ሃገራት ዓረብ ምስ ኢትዮጵያ ንምስራሕ ዝለዓለ ድሌት ከምዘለዎም ገሊፆም።