ዓቕሚ ምፍራይ ስሚንቶ 16.4ሚልዮን ቶን በፂሑ…

መቐለ ሚያዝያ 12/2009(ድወት) ብዓመት 1.4ሚልዮን ቶን ዓቕሚ ምፍራይ ዘለዎ ፋብሪካ ስሚንቶ ሓበሻ ቐዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብዝተረኸብሉ ትማሊ ብዕሊ ተመሪቑ።

ሃገራዊ ዓቕሚ ምፍራይ ስሚንቶ 16.4ሚልዮን ቶን ከምዝበፅሐ ድማ ኣብ ዕለት እቱ ምረቓ ተገሊፁ።

እዚ ፋብሪካ ብ16ሽሕ ኢትዮጵያውያን ገንዘቦም ኣብ ሓደ ማዕኸን ወዲቦም ዝሃነፅዎ ምዃኑ ዝገለፁ ኣይተ ሃይለማርያም ደሳለኝ እዚ ድማ ረብሓ ውዳበ ብግልፂ ዘመላኸተ ተግባር ምዃኑ ገሊፆም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ሃገርና ኣብ ዓውደ ኢንዳስትሪ ኮንስትራክሽን ትኸዶ ዘላ ናህሪ ብዝያዳ ዘሳልጥን ዘነቓቕሕን ጭቡጥ ለውጢ ዕብየት ክመፅእ ዝሕግዝ ምዃኑ ድማ ገሊፆም ቐዳማይ ሚኒስትር ሃገርና ኣይተ ሃይለማርያም ደሳለኝ።

ሃገርና ቅድም ክብል ፍርያት ስሚንቶ ካብ ወፃኢ ተእቱ ምንባራ ዝሓበሩ ኣይተ ሃይለማርያም ኣብዚ ሕዚ እዋን ብርክት ዝበላ ፋብሪካታት ስሚንቶ ናብ ምፍራይ ብምእታወን ጠለብ ውሽጢ ዓዲ ብምርዋይ ሰደድ ምግባር ከምዝተጀመረ ሓቢሮም።

ብዜካ እዚ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ዓመታዊ ሃገራዊ ዓቕሚ ምፍራይ ስሚንቶ 1.8ሚልዮን ቶን ጥራሕ ከምዝነበረ ብምዝኽኻር ፋብሪካ ስሚንቶ ሓበሻ ናብ ምፍራይ ብምእታው ሃገራዊ ዓቕሚ ምፍራይ ስሚንቶ ዓመታዊ ናብ 16.4ሚልዮን ቶን ምብፅሑ ገሊፆም።

ብ155ሚልዮን ዶላር ዝተሃነፀ እዚ ፋብሪካ 16ሽሕ ኢትዮጵያውያን ኽልተ ኩባንያታት ስሚንቶ ደቡብ ኣፍሪካን ሃፍቶም ብምውዳድ ዝተሃነፁ ምዃኑ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።