ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ 12 ቢልዮን ዶላር መዲቡ

መቐለ ሚያዝያ 11/2009(ድወት) ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ኣብቶም ዝቅፅሉ 5ተ ዓመታት ሕፅረት ቐረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣፍሪካ ንምፍታሕ ዘኽእል 12 ቢልዮን ዶላር ኣሜሪካ ምምዳቡ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ባንኪ ኣብ ኣፍሪካ ንዝረአ ሕፅረት ቐረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምቕራፍ ዝመደቦ 12 ቢልዮን ዶላር ኣፍሪካ ክሳብ 2025ዓ.ም.ፈ ኣብ ኣፍሪካ ተበፃሕነት ሓይሊ ንምምላእ ዝሓዘ ሓዱሽ ፕሮጀክት ንምዕዋት’ዩ፡

እቲ ባንኪ ኣብቶም ዝቅፅሉ 5ተ ዓመታት ቐረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣፍሪካ ንምምሕያሽ 12 ቢልዮን ዶላር ምምዳቡ ዘፍለጠ ኣብዚ ቕነ ኣብ ርእሰ ከተማ ኣይቨሪኮስት ኣቢጃን ኣብ ዘካየደ ኮንፈረንስ’ዩ፡፡

ብርክት ዝበሉ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ዝተሳተፍሉ እቲ ኮንፈረንስ ብቐንዱ ቐረብ ሓይሊ ኣፍሪካ ኣብ ዝፍተሓሉ ዝዘተየ’ዩ፡፡

ብደረጃ ዓለም ኣማራፂ ቴክኖሎጂ ተሓዳሲ ሓይሊ ጠለቡ ይዓቢ ኣሎ ዝበለ ድረ-ገፅ ኣፍሪካ ኒውስ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ በዚ መዳይ ፅቡቅ ጅማሮ ይኸዳ ከምዘለዋ ድማ ገሊፁ፡፡

ፕሬዚዳንት ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ኣኪንውሚ ኣደሲና ከምዝበልዎ ኣፍሪካ ሕፅረት ቐረብ ሓይሊ ይሃልዎ እምበር ዘለዋ ዕቁር ሃፍቲ ሓይልን መማረፅን ካብ ካልኦት ኣህጉራት እቲ ዝዓበየ’ዩ፡፡