ትራምፕ ኣሜሪካዊ ቑፃር ኣሜሪካዊ ኣቕሓ ዝብል ትእዛዞም ፈሪሞም…

መቐለ ሚያዝያ 11/2009(ድወት) ፕረዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ትካላት ኣሜሪካ ዝለዓለ ብቕዓት ኣብዝሓቱ ስራሕቲ ኢንዳስትሪ ሰራሕተኛታት ወፃኢ ከይኣትዩ ዝኽልኽል መምርሒ ፈሪሞም።

“ኣሜሪካዊ ምቑፃር ኣሜሪካዊ ፍርያት ምዕዳግ” ዝብል መወዳደሪ መትከል ሒዞም ኣብ እዋን ጎስጓስ ምረፁኒ እታ ሃገር ክነሓንሑ ዝፀንሑ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ፕሮግራም እቲ ቪዛ ለውጢ ዘምፅእ ፊርማ ኣዕሪፎም ኣለው።

ኢንዳሰትርታት ቴክኖሎጂ ሓይሊ ካብ ወፃኢ ዝመፁ ዝተሓተ መሃያ ዝኽፈሎም ሰራሕተኛታተን ብምንካይ ኣሜሪካውያን ስራሕ ደለይቲ ክቖፅራ ዝገብር መምርሒ’ዩ ተባሂሉ ኣሎ።

እዚ ትእዛዝ ኢሎም እቶም ፕረዝደንት ብዘይንሕስያ ኣሜሪካዊ ፍርያት ንምጥቃምን ንምልላይን ከምኡ’ውን ኣሜሪካዊ ሰራሕተኛ እቲ ስራሕ ክሰርሕ ከምዝተቖፀረ ምርግጋፅን ዝዓለመ’ዩ።

ሓለፍቲ ስራሕ ምምሕዳራት ኣሜሪካ ዝነበሩ እዚ ውሳነ ታሪካውን ኣሜሪካውያን መፍረይትን ሰራሕተኛታትን ንምክልኻል ዝሕግዝን’ዩ ክብሉ ተዛሪቦም።

ይኹን’ምበር ቤት ምክሪ ንግዲ ኣሜሪካ እዚ ውሳነ ዝለዓለ ዓቕምን ክእለትን ዝሓዙ ዜጋታት ወፃኢ ኣብ ንግድን ፍርያትን እታ ሃገር ዝነበሮም እጃምክንኪ ምግባር ተወዳዳርነት ምህርቲ ኣሜሪካ ከይሃስዮ ስግኣቱ ከምዝኾነ ገሊፁ።