ኣሜሪካ ዓቕለይ ኣብቂዑ ኢላ….

መቐለ ሚያዝያ 09/2009(ድወት) ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ዝነበራ ዓቕሊ ዝተመልኦ ስትራቴጂ ኣብቂዑ’ዩ ኢሎም ምኽትል ፕረዝደንት ኣሜሪካ ማይክ ፔንስ።

እቶም ምኽትል ፕረዝደንት ሃገሮም ምስ ደቡብ ኮርያ ዘለዋ ርክብ ንምጥንኻር ዝዓለመ ዑደት ኣብ ደቡብ ኮርያ የካይዱ ኣለው።

ሰሜን ኮርያ ትማሊ ሰንበት ዘካየደቶ ዝፈሸለ ፈተነ ምትኳስ ሚሳይል ስዒቡ ሚስተር ማይክ ፔንስ ሴኡል ከምዝኣተዉ ፀብፃብ ቢቢሲ ይገልፅ።

ሎመዓንቲ ወታሃደራት ኣሜካን ደቡብ ኮርያን ሓበራዊ ወታሃደራዊ ልምምድ ከምዝጀመሩ’ውን ሓቢሩ።

ኣብዚ እዋን ፔንስ ኣሜሪካ ክሳብ ሐዚ ኣብ ሰሜን ኮርያ ዝነበራ ትዕግስቲ ዝተመልኦ ስትራቴጂ ኣብቂዑ’ዩ ኢሎም።

ሚስተር ፔንስ ንዓሰርተ መዓልታት ዝፀንሕ ኣብ ሃገራት ደቡብ ኮርያ፣ ጃፓን፣ ኢንዶኖዥያን ኣውስትራሊያን ዑደት ኤዥያ እናካየዱ እዮም።