እቶም መንገድታት ኣየር ዝኣተውዎ ስምምዕነት ተግባራዊ ክገብሩ’ዮም

መቐለ መጋቢት 28/2009(ድወት) መንገድታት ኣየር ኢትዮጵያን ሲንጋፖርን ኣብ ሞንጎ ኣፍሪካን ኤዥያን ዝህሉ ግልጋሎት ኣየር ንምግፋሕ ዝበፅሕዎ ስምምዕነት ኣብ ወርሒ ሰነ ተግባራዊ ከምዝኸውን ተገሊፁ።

እቲ ስምምዕነት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መዓልታዊ ብዘይምቁራፅ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ሲንጋፖር ቀጥታዊ በረራ ክህልዎ ዝገብር’ዩ።

ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ኣብ ቀረባ መንገዲ ኣየር ሲንጋፖር ኔት-ወርክ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብምጥቃም ኣብ ኣፍሪካ ከምዝኣቱ ዝገለፀ ፀብፃብ ቢዝነስ ታይምስ ናብ ሃገራት ቦትስዋና፣ ቦርኪናፋሶ፣ ቻድ፣ ኬኒያ፣ ናይጀሪያን ሓዊሱ ናብ 13 ሃገራት ኣፍሪካ ክበርር’ዩ።

ተጓዓዝቲ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ’ውን ኣብ ብኔትወርክ መንገዲ ኣየር ሲንጋፖር ኣቢሎም ተጠቀምቲ መዕርፎታት ነፈርቲ ሃገራት ኣውስትራሊያ፣ ቻይና፣ ጃፓን፣ ማሊዥያ፣ ኒውዝላድ፣ ታይላንድን ቬትናምን ከምዝኾነ ድረ-ገፅ ቢዝነስ ታይምስ ገሊፁ ኣሎ።