ኣብ ምህርቲ ቡን ክብሪ ንምውሳኽ ዝሕግዝ ፕሮጀክት ዕላዊ ኾይኑ

መቐለ መጋቢት 28/2009(ድወት) ኣፍረይቲ ቡን ኣብ ምህርቶም ክብሪ ብምውሳኽ ተጠቀምቲ ዝኾንሉ ፕሮጀክት ዕላዊ ኾይኑ።

ካብዚ ዓመት ጀሚሩ ን3ተ ዓመታት ተግባራዊ ዝኾን እዚ ፕሮጀክት ካብ ኤጀንሲ ምትሕብባር ልምዓት ጣልያን ብዝተረኸበ 2.5ሚሊዮን ዩሮ ሓገዝ ዝሳለጥ ክኸውን’ዩ።

ትካል ልምዓት ኢንዳስትሪ ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ዩኒዶ)ን ኤጀንሲ ምትሕብባር ልምዓት ጣልያንን እቲ ፕሮጀክት ተግባራዊ ንምግባር ዘኽእል ስምምዕነት ሓገዝ ገንዘብ ፈሪሞም።

ፅሬት ምህርቲ ቡን ምዕባይ፣ መመዘንታት ምንፃር፣ ዓለምለኸ ተቐባልነት ምህርቲ ቡን ምዕባይን ክብሪ ብምውሳኽ ካብ ዕዳጋ ወፃኢ ዝርከብ እቶት ምዕባይን ዕላማ እቲ ፕሮጀክት’ዩ።

እቲ ፕሮጀክት ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ክልላት ደቡብን ኦሮሚያን ተግባራዊ ከምዝኸውን ተገሊፁ ኣሎ።

መንግስቲ ጣልያን ምህርታት ሕርሻ ዝኾኑ ቡን፣ ፓስታ፣ ስንዳይን ኮሚደረን ክብሪ ንምውሳኽ ሓገዝ ገንዘብ እናገበረ ከምዝመፀ ይግለፅ።