ብሽም ሮናልዶ መንገዲ ኣየር ክስየም’ዩ

መቐለ መጋቢት 19/2009(ድወት) ኣብ ፓርቹጋል እትርከብ ደሴት ማዲየራ ስያመ መንገዲ ኣየራ ብኮኸብ ተፃዋታይ ኩዕሶ እግሪ ዓለምና ክርስትያኖ ሮናልዶ ክስይሞ’የ ኢላ፡፡

ደሴት ማዲየራ ክርስትያኖ ሮናልዶ ዝተወለደላን ዝባፅሐላን ከባቢ እንትትከውን ንክብሪ እዚ ሃገራዊ ጅግና ስያመ መንገዲ ኣየር ማዲየራ ክርስትያኖ ሮናልዶ ክኸውን ምንቅስቃስ ጀሚራ’ላ፡፡

ቅድሚ ሒደት ዓመታት’ውን 2ተ ሆቴላትን ሓደ ቤተ መዘክርን ብሽሙ ክፅዋዕ ተጌሩ’ዩ፡፡

ክርስትያኖ ሮናልዶ ምስ ተፃወቲ ሃገራዊት ጋንታ ፓርቹጋል ምስ ስዊድን ንእተካይዶ ምሕዝነታዊ ፀወታ ክሳተፍ ናብ ማዲየራ ከምዝኣተወ ድማ ዩሮ ኒውስ ፀብፂቡ፡፡