ባንኪ ዓለም 54ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ንሃገራት ኣፍሪካ…

መቐለ መጋቢት 11/2009(ድወት) ባንኪ ዓለም ንቐፀልቲ ሰለስተ ዓመታት ንሃገራት ኣፍሪካ 54ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ክገብር ቃል ኣትዩ።

ባንኪ ዓለም ሓዊሱ ኻልኦት ትካላት ፋይናንስ ዓለም ኣብ ጀርመን ኣብዘካየደኦ ኮንፈረንስ መብዛሕቱ ገንዘብ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ንዝርከባ ሃገራት ኣፍሪካ ንምስፍፋሕ ዓውድታት ጥዕና፣ ሕርሻን መሰረተ-ልምዓትን ዝውዕል እዩ።

እቲ ገንዘብ መፈፀሚ ኣብ ህንፀት ዝርከቡ 448 ፕሮጀክትታት ልምዓት እተን ሃገራት ከምዝኾነ ገሊፆም።