ቱርኪ 202 ዳያኑን ጠበቓታትን ኣባሪራ።

መቐለ መጋቢት 09/2009(ድወት) ቱርኪ ምስ ኣሸባሪ ጉጅለ ፈቱላህ ርክብ ኣለዎም ዝበለቶም 202 ዳያኑን ጠበቓታትን ኣባሪራ።

ኣብ ወርሒ ሓምለ 2016ዓ.ም.ፈረንጂ ኣብታ ሃገር ዝተኻየደ ዝፈሸለ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ተዛሚዱ ምስቲ ጉጅለ ርክብ ኣለዎም ዝተብሃሉ ክሳብ ሐዚ ልዕሊ 4ሽሕ ዳያኑን ጠበቓታትን ካብ ስርሖም ኣባሪራ እያ ከም ሓበሬታ ላዕለዋይ ቁፅፅር ዳይነት ቱርኪ።

እቲ ሐዚ ወሲዳቶ ዘላ ስጉምቲ’ውን መቐፀልታ እቲ ምኽንያት ሞት 249 ሰባት ዝኾነ ዝፈሸለ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ከምዝኾነ ፀብፃብ ወርልድ ቡለቲን ይገልፅ።

ካብዚ ብዝሰገረ ምስቲ ጉጅለ ርክብ ኣለዎም ዝተብሃሉ ልዕሊ 22ሽሕ ሰልጠንቲ ወታሃደራዊ ስልጠና ካብ ማእኸል ስልጠና ውትድርናን ምክልኻልን ከምዝተባረሩ ሚኒስቴር ምክልኻል ቱርኪ ገሊፁ።

ኣብ ኣሜሪካ ብዝነብር ፈቱላህ ጉለን ዝምራሕ ኣሸባሪ ጉጅለ ፈቱላህ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ቱርኪ ዝተኻየደ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ተሓታቲ ከምዝኾነ መንግስቲ ቱርኪ እናገለፀ ፀኒሑ’ዩ።