ኢንዳስትሪ ስሚንቶ ንምዕባይ ኢትዮጵያን ቻይናን ተሰማሚዐን

መቐለ መጋቢት 01/2009(ድወት) ሃገራት ኢትዮጵያን ቻይናን ኢንዳስትሪ ስሚንቶ ንምዕባይ ሓበራዊ ስምምዕነት ፈሪመን።

ፎረም ስሚንቶ ኢትዮ-ቻይና ተሳሊጡ ኣሎ።

ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ኢንዳስትሪ ዶክተር ኣለሙ ስሜ እቲ ፎረም ቻይና ኣብቲ ዓውዲ ዘለዋ ተሞክሮ ንምውሳድ ከምዝሕግዝ ገሊፆም።

ኣብ ሃገርና ዝለዓለ ዓቕሚ ኢንዳስትሪ ስሚንቶ ከምዘሎን ዕብየት ዓውዲ ኮንስትራክሽን ሃገርና እናዓበየ ምምፅኡ ስዒቡ ኢንዳስትሪ ስሚንቶ ዚያዳ ክዓቢ ትፅቢት ከምዝግበር ገሊፆም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ዓመታዊ ዓቕሚ ምፍራይ ስሚንቶ ሃገርና 13ሚሊዮን ቶን ከምዝበፅሐን ሃገራዊ ጠለብ በብዓመቱ ብ10ሚኢታዊ ይዓቢ ከምዘሎን ድማ ሓቢሮም።

ዳይሬክተር ማሕበር ስሚንቶ ቻይና ቼን ፊ እቲ ፎረም ኢትዮጵያን ቻይናን ኣብቲ ዓውዲ ዝህልወን ምትሕብባርን ልውውጥ ሓበሬታን ንምጥንኻር በሪ ዝኸፍት’ዩ ኢሎም።

ኣብ ሃገርና 17 ኩባኒያታት ኣብ ምፍራይ ስሚንቶ ከምዝተዋፈሩ ይግለፅ።

ኣብ ትልሚ ዕብየትን መሰረታዊ ዝላን ክልተ ዓውዲ ኮንስትራክሽን ንምዕባይ ብመሰረት ዝተትሓዘ ትልሚ ኢንዳስትሪ ስሚንቶ ምጥንኻር ዓብዪ እጃም ከምዘለዎ ብምእማን ትኹረት ተዋሂቡ ይስርሐሉ ከምዘሎ ኣብቲ ፎረም ተገሊፁ ይብል ፀብፃብ ኦል ኣፍሪካ ዶት ኮም።