ፓርክ ኢንዳስትሪ ሃዋሳ ኣብዚ ሰሙን ምህርታቱ ምልኣኽ ክጅምር’ዩ

መቐለ ለካቲት 24/2009(ድወት) ፓርክ ኢንዳስትሪ ኣዋሳ ኣብዚ ሰሙን ውሽጢ ምህርትታቱ ንወፃኢ ምልኣኽ ከምዝጅምር ኣፍሊጡ ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ፡፡

ምክትል ኮሚሽነር ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ዶክተር በላቸው ፍቅሬ ፓርክ ኢንዳስትሪ ሃዋሳ ዝተፈላለዩ ምህርታት ኣብዚ ሰሙን ንወፃኢ ሃገራት ሰደድ ከምዝገብር ገሊፆም፡፡

እቲ ዓውዲ በቲ ጀሚርዎ ዘሎ ቅልጣፈ እንተቐፂሉ ከርክቦ ትፅቢት ዝግበረሉ ሸርፊ ወፃኢ 1 ቢልዮን ከምዘዕውት’ውን ተኣሚኑሉ ኣሎ፡፡

ከምሓበሬታ ዶክተር በላቸው ፍቅሬ በዝሒ ህንፃታት እቲ ፓርክ ናብ 52 ክብ ንምባል ተወሰኽቲ 15 ሓደሽቲ ሼዳት’ውን ይህነፁ ምህላዎም ገሊፆም፡፡

ኣብቲ ኢንዳስትሪ ፓርክ ዛጊድ ኣብ ሃገራት ወፃኢ ሰልጢኖም ዝተቖፀሩ በዝሒ ዜጋታት 5ሽሕ ከምዝበፅሑን ስራሕ ንምድላይ ዝተመዝገቡ 23ሽሕ ነበርቲ እቲ ከባቢ’ውን በቢ ሰሙን ዕድል ስራሕ ተፈጢሩሎም ይቁፀሩ ከምዘለው ኣይተ በላቸው ገሊፆም፡፡

እቲ ዝለዓለ ፍልጠት ዝፈሰሰሉን ስግግር ቴክኖሎጂ እናተኻየደሉን ዘሎ ፓርክ ኢንዳስትሪ ሃዋሳ ኣብ ቀረባ እዋን ብዝምረቑ ማእኸላት ኢንዳስትሪ መቐለን ኮምበልቻን’ውን ዓብይ እታወት ምዃኑ ተሓቢሩ፡፡

ኣብ ቀረባ እዋን ምህርቶም ናብ ወፃኢ ሃገራት ካብ ዝልእኹ ትካላት ሓደ ዝኾነ ፋብሪካ ዓለባ የታል ኣብዚ ሐዚ እዋን 200 ሰብ ሞያ ቖፂሩ እናሰርሐ ምዃኑን ኣብ ዝቕፅል እዋን ድማ ሰራሕተኛታቱ ናብ 4500 ከምዘዕቢ ሓቢሩ፡፡እቲ ትካል ደረጅኦም ዝሓለው ሸሚዛት ናብ ኣሜሪካ ንምልኣኽ’ውን ምድላዋቱ ከምዝወገነ ኣካይዲ ስራሕ ኣይተ ሌላዓለም ተጫነ ሓቢሮም፡፡