ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ቑጠባዊ ስግግር ከምፅኣ ይግባእ…

መቐለ ለካቲት 20/2009(ድወት) ዘላቒ ልምዓትን ዕብየትን ንምርግጋፅ ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት መሓውራዊ ቑጠባዊ ለውጢ ከምፅኣ ይግባእ ተባሂሉ።

ንኽልተ መዓልታት ዝፀንሕ ዓውደ መፅናዕቲ ዘተ ሰብ ሙያ ፋይናንስ ሃገራት ጉጅለ 24 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጀሚሩ።

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2017ዓ.ም ፈረንጂ ኢትዮጵያ ሃገራት እቲ ጉጅለ ንሓደ ዓመት ብኣደ መንበርነት ክተገልግል ተሓርያ እያ።

እቲ መድረኽ ዘተ ኣብ ወርሒ ማዚያ ኣብ ዋሽንግተን ዝካየድ ኣኼባ ሚኒስትራት ሃገራት ጉጅለ 24 ምድላው ንምግባር’ዩ ተባሂሉ ኣሎ።

ኢንቨስትመንት መሰረተ-ልምዓት፣ መሓውራዊ ለውጢ ቑጠባን ምትእኽኻብ ሃፍትን እቶም ሰብ ሙያ ዝዝትዩሎም ኣጀንዳታት’ዮም።

ሚኒስትር ገንዘብን ቑጠባዊ ምትሕብባርን ዶክተር ኣብርሃም ተኸስተ እተን ሃገራት ቐፃልነት ንዘለዎ ዕብየትን ልምዓትን መሓውራዊ ቑጠባዊ ስግግር ከምፅኣ ወሳኒ’ዩ ኢሎም።

ብፍላይ ድማ ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ትሑት እቶት ዘለወን ሃገራት ብዙሕነት ቑጠባ ብምግፋሕ ዘላቒ ዕብየት ንምርግፅ ክሰርሓ ከምዘለወን ሓቢሮም።
ኢትዮጵያ’ውን ቑጠባዊ ስግግር ንምምፃእ ካብ ሕርሻ ናብ ኢንዳስትሪ ዝመርሖ ቑጠባ ንምስግጋር ትሰርሕ ከምዘላ ብምግላፅ ናብ ማእኸላይ እቶት ዘለወን ሃገራት ንምስራዕ ዝግበር ጉዕዞ ብዘይ ልምዓት ኢንዳስትርን ቑጠባዊ ስግግርን ዘተኣማምን ከምዘይኸውን ብምግንዛብ ኢንዳስትሪ ዝመርሖ ቑጠባ ክህሉ ትኹረት ሂባ ትሰርሕ ከምዘላ ኣብሪሆም።

ዋና ፀሓፊት እቲ ጉጅለ ሚስ ማሪሉ ኡይ ብወገነን ሽቶታት ዘላቒ ልምዓት 2030 ንምዕዋቱ ሃገራት መሓውራዊ ቑጠባዊ ስግግር ንምምፃእ ኣበርቲዐን ክሰርሓ ኣተሓሳሲበን።

ጉጅለ ሃገራት 24 ኣብ 1971ዓ.ም ፈረንጂ እንትጣየሽ ኢትዮጵያ መስራቲት ኣባል ከምዝነበረትን ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ኣብ ጉዳያት ልምዓትን ፋይናንስን ሓበራዊ ቕዋም ክሕዛ ዕላማ ገይሩ ከምዝሰርሕ ይግለፅ።

ካብ ኣፍሪካ፣ ኤሽያ፣ ላቲን ኣሜሪካን ከባብታት ካሪቢያን ዝተውፃእፅኣ ሃገራት ኣባላት እቲ ጉጅለ እየን።