ኢትዮጵያ ፍፁም ዝተረጋግዐት ሃገር እያ…

መቐለ ለካቲት 14/2009(ድወት) ኢትዮጵያ ፍፁም ሰላምን ምርግጋዕን ዝዓሰላ ሃገር እያ ኢሎም ተሳተፍቲ መበል 15 ጉባኤ ኮፊ ፋይን ኣፍሪካ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ኮፊ ፋይን ኣፍሪካ ዝተረኸቡ ተሳተፍቲ ከምዝበሉዎ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ዝኾነ ዓይነት ፀገም ፀጥታን ድሕንነትን ከምዘይገጠሞም ገሊፆም።

ካብ ጀርመን ዝመፀት ተሳታፊት ጉባኤ ኮፊ ፋይን ኣፍሪካ ማርታ ሩትኖስካ ሰላምን ምርግጋዕን ኢትዮጵያ ንዓና ኣብ ሕቶ ኣትዩ ዝፈልጥ ጉዳይ ኣይኾነን፤ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 3ተ ኣዋርሕ እዚ ራብዓይ ተሳትፎ ዝገበርናሉ ዓውደ ርእይ ብምዃኑ ትብል።

ፈፃሚ ስራሕ ኢንዳስትርታት ስፔክትረም ህንዲ ጄቫን ሳልዳንሃ ብወገኖም ሰላማዊ ኹነታት ኢትዮጵያ ዘተሓትት ኣይኮነን፤ ዕውት ጉባኤ ነይሩ ክብሉ ርኢቶኦም ሂቦም።

ዳይሬክተር ማሕበር ፋይን ኮፊ ኣፍሪካ ሳሙኤል ካሙ ኢትዮጵያ ዝተረጋግዐት ሃገር ምዃና ኣረጋጊፅና ኢና፣ ነዚ’ውን እዩ ልዕሊ 1ሽሕ ተሳተፍቲ ኣብቲ ኮንፈረንስ ዝተረኸቡ ክብሉ ምስክርነቶም ሂቦም ይብል ፀብፃብ ድረ ገፅ ኦል ኣፍሪካን ዶት ኮም።

“ምምሕያሽ መፍረያይነትን ኢንቨስትመንትን ኢንዳስትሪ ቡን ኣፍሪካ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ክካየድ ዝቐነየ መበል 15 ጉባኤ ፋይን ኮፊ ኣፍሪካ ዓለምለኸ ኣፍረይቲ ቡን፣ ነጋዶ፣ ዓደግትን ሰብ ሙያን ተሳተፍቲ ኾይኖም’ዮም።