ፋብሪካ መድሓኒት ኣዲስ መሸጥኡ 3 ቢልዮን ቅርሺ ንምብፃሕ ተሊሙ

መቐለ ለካቲት 09/2009(ድወት) ፋብሪካ መድሓኒት ኣዲስ ኣበባ (ዓድግራት) ኣብ 2017ዓ.ም መጠን መሸጥኡ ናብ 3 ቢልዮን ቅርሺ ንምዕባይ ተሊሙ ኢሉ፡፡

ፋብሪካ መድሓኒት ኣዲስ ካብ ዝጣየሽ 20 ዓመት ዘቁፀረ እንትኾን ን12 ዓመታት ኣብ ኪሳራ ዝፀንሐን ካብ 2001ዓ.ም ናብዚ ግን ብስትራቴጂ ምድሓን ትእምት ካብ ኪሳራ ወፅዩ ኣብ ምዕባለ ክልልናን ሃገርናን እጃሙ ዘበርክት ዘሎ ትካል’ዩ፡፡

ሓላፊ መምርሒ ምርግጋፅ ፅሬት ፋብሪካ መድሓኒት ኣዲስ ኣይተ ወልደንጉሰ መሓሪ ከምዝገለፅዎ እቲ ትካል ዘመነዎት ቴክኖሎጅታት ካብ ምትእትታው ብሓይሊ ሰብን ናውትን ካብ ምጥንካር ብዝዘለለ ኣብ ህንፀት ሓይሊ ሰብ ብዝገብሮ ፃዕሪ’ዩ ዕውት ኮይኑ ዘሎ፡፡

ፋብሪካ መድሓኒት ኣዲስ ኣብዚ ሐዚ እዋን ብክልተ እግሩ ቖይሙ ኣብ ቁጠባውን ማሕበራውን ምንቅስቃሳት እዛ ክልልን ሃገርን ርኡይ ኣበርክቶ ዝገብር ዘሎ ትካል’ውን’ዩ ኢሎም፡፡

ከምውፅኢቱ ድማ ኣብ 2011ዓ.ም ዝዛዘሙ 2ተ ግዙፋት ፋብሪካታት ይሃንፅ ዘሎ እንትኮን ፈዋሳይነቶምን ብቅዓቶምን ተወዳደርቲ ኣፋውስ ብምፍራይ ኣብ 2017ዓ.ም መሸጥኡ ናብ 3 ቢልዮን ቅርሺ ከዕቢ መደብ ከምዘለዎ ሓቢሮም፡፡

ጎና ጎኒ ድማ ናብ ዕዳጋ ወፃኢ ተወዳዳሪ ክከውን ምንቅስቃስ ከምዝጀመረ ኣይተ ወልደንጉስ ገሊፆም፡፡